መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ

መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ

እዛ ፔጅ ንትምህርታዊ ንጥፈታት እንዳሰሓቅካ ዝቕርበላ ፔጅ ኢያ።

29/10/2021

Yes or no?🤷🏾‍♂️👋🏾

14/10/2020

እንተመቒልካዮ ንስቓይ ይኾነልካ ፍሪ ይመስለኒ እንተመቒልካዮ ንፍቕሪ ግን ይኾነልካ ዕጽፊ ኢሎምኒ ኣቤላ 'ታ ናተይ መማቕልቲ ፥ ትሰማማዓኒ ካልኣይቲ ክንፊ ናይ ሓንቲ ዑፍ ኮይና ተብርረኒ ከማይ ከማይ ካልኣያ ትደሊ ከማይ ከማይ በይነይ'የ ትብለኒ

ሓፍ ሓፍ ይብል ከብደይ ፥ ልበይ እንክሽገር ሽፋን ከዲንክኒ ዓለም ጠሚተያ ብሓዲሽ መነጸር ደበና ጠሚተ ፥ ዕምበባ ሸቲተ ፥ ምስ ንፍስ ቢሒተ ይኸሰኪ'ሞ ይንእደኪ እዋይ ናይ ፍቕሪ ነገር

28/08/2020

መን ኢዩ ቀድሙ ዝሰቲ፧🤷‍♂️

18/07/2020
12/03/2020

ኮሮኖ ቫይረስ 2019

# ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ምስ መልስታተን ንታዓዘብ
1. ጠንቂ ሕማም ኮሮኖ ቫይረስ እንታይ'ዩ
# ካብ እኩባት ስድራቤት ቫይረስ ዝመጸ'ዩ

2. ምልክታት ኮሮኖ ቫይረስ
* ሰዓል
* ጸረርታ ኣፍንጫ
* ረስኒ
* ቃንዛ ርእሲ፡ ጭዋዳ
* ድኻም ኣካላት
* ሕጽረት ምስትንፋስ
* ሕበጥን ምልሕታትን ጎሮሮን

3. መታሓላለፊ ሕማም ኮሮኖ ቫይረስ

* ብቀጥታዊን ዘይቀጥታውን ኣካላዊ ምትንኻፍ ( ሰላምታ ፡ ምትሕቑቓፍ፡ )
* በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ሰብ ዝተንከፎ ነገራት ብምሓዝ
* ብምህንጣስ
* ብምስዓል

4. መከላኸሊ ኮሮኖ ቫይረስ

* ካብ ኣካላዊ ምትንካፍ ምርሓቕ
* እድካ ብግቡእ ብሳምናን ማይን ምሕጻብ
* ኣብ ትህንጥሰሉን ትስዕለሉን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ምሽፋን
* እንቃቅሖን ስጋን ብግቡእ ምብሳል
* ብ ኣልኮሆል ስተሰበነ ፈሳሲ ( disinfectant) እድካ ቀጻሊ ድሕሪ ነገራት ምሓዝካ ምድራዝ
*ካብ ዝተለኽፈ ሰብ ብውሕድ ናይ 6 ጫማ ማለት 1.8 ሜትሮ ብምርሓቕ distance ክህልወና ኣለዎ ብዘይምቕራብ።

5. ኣብ ክንደይ መዓልቲ ክፍለጥ ይክኣል
ካብ 2ተ ክሳብ 14 መዓልቲ

6. መድሃኒት ኮሮኖ ቫይረስ
* መድሃኒት ዛጊት ኣይተረኽቦን

7. ክታበት ኮሮኖ ቫይረስ
* ክታበት ዛጊት ኣይተረኽቦን ።

24/02/2020

Health | ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘህድኡ መግብታት

ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ
ቃንዛ ንምህዳእ ዝሕግዝ መድሃኒት ወይ
መርፍእ ክወስዱ ምርኣይ ልሙድ ኢዩ።
እቲ መድሃኒት ግና ንግዚኡ ደኣ’ምበር፡
ካብቲ ቃንዛ ዝኣሊ ዘላቒ መፍትሒ
ኣይኮነን። መብዛሕትኦም እቶም ቃንዛ
ዓንዲ ሕቖ ንምቕላል ተባሂሎም
ብሓካይም ዝእዘዙ መድሃኒታት’ውን
ናይ ገዛእ ርእሶም ኣሉታዊ ሳዕቤን
ኣለዎም። ገለ ካብኦም’ውን ወልፊ
ዘትሕዙ ኢዮም። ኩሎም ቃንዛ ንምህዳእ
ዝሕግዙ መድሃኒታት፡ ንግዚኡ ነቲ ቃንዛ
ኢዮም ዘቕልሉ’ምበር ነቲ ጠንቂ ናይቲ
ሕማም ንምፍዋስ ዝሕግዙ መድሃኒታት
ከም ዘይምዃኖም ኣስተብህል። ስለዚ፡
ኣብ ክንዲ ነቲ መድሃኒት ምውሳድ፡
ነቲ ቃንዛ ከህድኡ ዝኽእሉ መግብታት
ከም ዘለዉ ኢዮም ክኢላታት ዝጠቕሱ።
እቶም መግብታት ኣብ ጥዕናኻ
ዘውርድዎ ጎዳኢ ሳዕቤን ስለ ዘይብሎም
ድማ፡ ካብ መድሃኒት ምውሳድ ዝያዳ
ክትመርጾም ከም ዘለካ የመልክቱ።
ኩሎም እቶም መግብታት ወልፊ
ዘትሕዙ ብዘይምዃኖም’ውን ካብ
መድሃኒት ዝያዳ ተመራጺ ይገብሮም።
ገለ ካብቶም መግብታት ንምጥቃስ፦
ሓምላይ ሻሂ (Green Tea)፦ ክኢላታት
ከም ዘመልክትዎ፡ መዓልታዊ ካብ 2
ክሳብ 3 ኩባያ ሓምላይ ሻሂ ምስታይ፡
ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ምሉእ ብምሉእ ከም
ዘህድኦ የመልክቱ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ፡
ቆጽሊ ሓምላይ ሻሂ፡ ምራተ ኣካላት
(antioxidants) ንምቅላል ዝሕግዝ
ልዑል መኣዛዊ ትሕዝቶ ስለ ዘለዎ ኢዩ።
ነቲ ሓምላይ ሻሂ ብምጡን ኣገባብ ናይ
ምውሳዱ ልምዲ ምስ እተጥሪ ድማ፡ ኣብ
ኣካላትካ ዝርከብ መርዛም ንጥረ ነገር
(toxic substances) ከም ዘመዓራርዮ
እቶም ክኢላታት የመልክቱ። በዚ ድማ
ቀልጢፍካ ንኸይትኣርግ ይሕግዘካ።
ፍረ ጎምጠጥ/ ዓጋም (Berries)፦
ቃንዛ ኣካላት ብፍላይ ድማ ቃንዛ ዓንዲ
ሕቖ ኣብ ምህዳእ፡ ምራተ ንምክልኻል
ዝሕግዝ ንጥረ ነገር (antioxidants)
መሰረታዊ ካብ ኮነ፡ ፍረ ጎምጠጥ/ ዓጋም
ነዚ ተግባር’ዚ ዘሐይሉ ሓያሎ መኣዛዊ
ትሕዝቶ ኣለዎም። ከም ስትረው በሪ፡
ብሉበሪ፡ ራስፕበሪስ ከምኡ’ውን ኣካበሪስ
ንምቅጻል ሰብነት ዘቃልሉ ንጥረነገራት ኣለዎም። ፍረ-ዓጋም፡ ኣካላትና
ንዝተፈላለዩ ሕማማት ንኽንጻወር
ዝሕግዞ ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ‘ሲ’
እውን ኣለዎ።
ኣናናስ (Pineapples) ፦ እዚ
ብቫይታሚን ‘ሲ’ ዝሃብተመ ናይ
ትሮፒካዊ ክሊማ ፍሩታ’ዚ ምቅጻል ኣካላት
ሰብነት ንምእላይ ዝሕግዝ ኢንዛይም
ዝሓቖፈ ኢዩ። ሓድሽ ፍረ ኣናናስ፡ ኣብ
ርእሲ’ቲ ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ንምህዳእ
ዝህልዎ ጥቕሚ፡ ብጽሕጊ ዝመልአ
ብምዃኑ ድርቀት (constipation) ኣብ
ምእላይ ይሕግዝ።
ስጋ (Meat)፦ ስጋ ልዑል ፕሮቲን ዘለዎ
መግቢ ብምዃኑ፡ ብቓንዛ ዓንዲ ሕቖ
ዝሳቐዩ ሰባት ብተደጋጋሚ ክወስድዎ
ዝበለጸ ኢዩ። ፕሮቲን – ተሪር ጭዋዳን
ድልዱላት ኣዕጽምትን ክህልወካ ልዑል
ጥቕሚ ኢዩ ዘለዎ። ይኹን’ምበር፡ እቲ
ትወስዶ ዓይነት ስጋ፡ ዝተዓሸገ ዘይኮነ
ሓድሽ (fresh)፡ ከምኡ’ውን ስብሒ ዘለዎ
ክኸውን የብሉን።
ቅብኣት ዘለዎም ዓሳ (Oily Fish)፦
ቅብኣት ዘለዎም ዓይነታት ዓሳ፡ ብትሕዝቶ
ፕሮቲን ብቐዳምነት ኢዮም ዝጥቀሱ።
ቱና፡ በያድ፡ ሳርዲን፡ ሳልሞን ገለ ካብቶም
ልዑል ቅብኣት ዘለዎም ዓይነት ዓሳ
ኢዮም። ኩሎም እዞም ዓሳታት ኣብ
ርእሲ’ቲ ዝህብዎ ፕሮቲን ኦሜጋ -3
(omega-3) ዝተባህለ ቅብኣዊ ኣሲድ ስለ
ዘለዎም፡ ካብ ቀሓርን ምቅጻል ኣካላት
ከም ዝከላኸሉልና ክኢላታት የረድኡ።
ሶያ/ ፋጆሊ (Soy Protein)፦
ብኦክላሃማ ዩኒቨርሲቲ – ኣመሪካ ዝተኻየደ
መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ፡ ሶያ ብብዝሒ
ዝበልዑ ሰባት ካብቶም ዘይበልዑ ብቓንዛ
ዓንዲ ሕቖ ዝሓሹ ኮይኖም ተረኺቦም።
ህሩድ (Turmeric Powder)፦ ቃንዛ
ዓንዲ ሕቖ ክትኣልዮ ትደሊ እንተዄንካ፡
ኣብ እትወስዶም መግብታት ህሩድ
ክትሕውስ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ ኢዩ።
ቃንዛ ዓንዲ ሕቖ ዘህድኡ መግብታት
ህሩድ ብባህሪኡ ምራተን ምቅጻልን
ኣካላትና ናይ ምእላይ ጠባይ ኣለዎ።
ዝንጅብል (Ginger)፦ ዝንጅብል ልክዕ
ከም ህሩድ ቃንዛን ምራተን ኣካላትና
ናይ ምእላይ ጠባይ ኣለዎ። ዝንጅብል
ኣብ መግቢ ወይ ኣብ ሻሂ ብምሕዋስ
ክንወስዶ ይከኣል ኢዩ። መግቢ
ንምሕቃቕን ሕማም ልቢ ንምፍዋስን
ልዑል ግደ ኢዩ ዘለዎ። Share it with your friends

Abraham Afewerki Interview ቃለ መሕትት ኣብርሃም ኣፈወርቂ 23/02/2020

ዘሐጉስ ብስራት ቃለ ሙጠየቅ ሓያል ፈላስፋ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ከብሒ ዪትብ ተዘርግሑ። (interview)||||👇🏾👇🏾👇🏾
https://youtu.be/A1qyu5Dkjig

Abraham Afewerki Interview ቃለ መሕትት ኣብርሃም ኣፈወርቂ Abraham Afewerki Interview ቃለ መሕትት ኣብርሃም ኣፈወርቂ Copyright: Abraham Afewerki Music Channel. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibite...

Abraham Afewerki fkrey 21/02/2020

New Eritrean love music video clip (Abraham Afewerki) ፍቕረይ💕🇪🇷😊|||ሓፈሻዊ ፍልጠት ትፈቱ ዶ፤ ክትሳተፍ'ከ ትደሊ ዶ? እወ እንተ ኮይኑ መልስካ ኣብዚ page follow ብምግባር ተሳታፍ/ፊ🙏👇
https://youtu.be/yMwGD6Z1Om4

Abraham Afewerki fkrey Eritrea music Abraham Afewerki FKREY Copyright: Abraham Afewerki Music Channel. Any unauthorized use, copying or distribution is strictly prohibited. መሰል ንብረ...

19/02/2020

ብሓንቲ share ቤተሰባ ክትረክብ ትክእል እያ እዛ ሓፍትና ❤️
please! share this post guys with your friends👥 one share could be a lot for her. This message is not only for Eritrean, it is for all Eritrean and Ethiopian♥️🇪🇷🇪🇹🙏

Photos from መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ's post 17/02/2020

ሎሚ ሕማቅ ስማዕ ደንጉዩ ዝበጽሓና መርድእ

ስነ ጥበባዊ ሳዕሳዓይ ተዋስኣይ ኣባል ጉጅለ ባህሊ ስኒት ዝነበረ መንእሰይ ሙሴ እዮብ፡፡ ሎሚ ኣብ ከባበ እንዳ ካንዘን ኣብ ዝነበረ መንበሪ ገዝኡ ትማሊ ሰንበት ዕለት 16/02/2020 ወጋሕታ ንግሆ ብድንገት ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ኣሎ፡ ንስነ ጥበባዊ ሓውና ሙሴ ዝሕዝን ኣጋጣሚ እዩ እሞ ኣምላኽ ኣብ ሕቅፎ ኣብርሃም ይቀበልካ ፡ ንስድራቤትካን ንቤተሰብካን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ሃቦም😭😭💔💔😭😭

19/12/2019

ኣብዚ ሊንክ ብምጥዋቅ ናይ ሎም ዝነብረ ሾቶታት ኣብ መንጎ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ኡጋንዳን ብጽፉፍ ተካታተሉ።
||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
https://youtu.be/K_Qjjjcj_Xs

19/12/2019

Viva Eritrea Viva red camels 🇪🇷↪💪💪💪

Photos from መታን ጽባሕ ክሓሽ ካብ ሎሚ's post 19/12/2019

ኣርባዕተ ( 4 ኤርትራውያን )ተቀዳደምትና ካብ ኣፍሪቃ ካብቶም 6 ዝበለጹ ተጻወቲ ኣፍሪቓ ኮይኖም ተመሪጾም እንቋዕ የሖጎሰና ደቂ :: 👌👌🇪🇷🇪🇷❤❤።

19/12/2019

ሕጂ ተንብብ ዘለኻ/ኺ 2020 ዓመተ ዓወትን ኣሳልጦን ትኹነልካ ፣ብር ክትብል ተሓጎስ ብሩኽ መዓልቲ የውዕልካ(ዝተጣፍኡ ንኽራኸቡ ኣንቢብና ሽር ንበላ)
====================================
ናይ ሕልና ስራሕ ንልቢ የርስርስ ፥ የህድእ ፥የቅስን፥ የሕይል ዕድመ ይውስክን ኢዩ። እዚ ማዕከን መራኸቢ፡ከም ስሙ ክንጥቀመሉ እንተኽኢልና ብዙሓት ዝተጣፍኡ ስድራቤታት ክራኸቡ ይኽእሉ እዮም ኢለ ይኣምን።ስለዚ ብወገነይ፡ዝኾነ ተጠቃሚ ገጽ እዚ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ሰብ፡እሞ ድማ፡ምስ ምንጪ ሓረግ ወለዶኡ ዝተሰኣኣነን፡ንምርካቦም ተበግሶ ወሲዱ ክንሱ፡ዝድግፎ ሰብ ግን ዝሰኣነ እንተሎ፡ብናይዚ ገጽ መልእኽቲ ይጽሓፈለይ'ሞ፡ ሓበሬታኡ ምስሃበኒ፡ከከም ዝጥዕም እንተስ ብጽሑፍ፡እንተስ ብቪድዮ ብምድላው ነጻ ሓገዝ ከበርክት ድልው ምዃነይ ይሕብር፡፡
ድሕሪ እቲ ዝተባህለ ምጽፋፉን፡እተን ዝተጣፈኣ ስድራቤታት ንምርኻብ፡ኣብዚ ገጽ ምጥቅዑን…ዝዓበየ ዕማም፡ናይ ካለኦት ተጠቀምቲ እዚ ገጽ፡ከም ወትሩ፡ናብ ብጾቶም ብምክፋል፡ (Share ብምግባር)ኣበርክቶኦም ከምዘዕዝዙ ድማ እምንቶይ'ዩ።

ከምዚ ዝተጠቕሰ ሽግር ዘለዎም ሰባት ንኽርእይዎ Share እንተተገብረ ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ። ብሓንቲ ሸር ስራሕ ናይ ሓንቲ ሰከንድ ሂወት ከትድሕን ትክእል ኢካ/ኢኪ።

ኣዳላዊ ገጽ
©መታን ጽባሕ ክሓይሽ ካብ ሎሚ
20/12/2019

19/12/2019

!

ሓደ'ን ሓደ ክወቅስ
እቲ ሓደ ግብረ ፥መልሲ ክመልስ
ጻሓይና ዓሪባ ከይተፋቀርና
ንፋቀር እባ ከይተካሰስና

ትርጉም ዘይብሉ፥ብሂወት ምንባርና
ንሓድሕድና እንዳ ተወቃቀስና
ንፋቀር'ዳ ዝገደፍና ገዲፍና

ምንባር ብዘይ ፍቅሪ ኮንቱ'ዩ
ከም'ቲ ገረብ ፍረ ዘይብሉ።

👇👇👇👇👇👇👇
Like & follow page #ሸር ኣይንረስዕ ናብ መሓዙትና√

19/12/2019

ኣቤል ይብሃል ኣዝዩ ንፉዕ ኣቃናጃዊ መንእሰይ ኢዩ። ብዙሓት ደቀንስትዮ ዓማውል ከኣ ኣለወኦ። ስራሕ ዘይምንዓቅ ኢና ክንመሃር ዝግባእ ካብ ኣቤል ሓውና! ስራሕ ልፋዕ ጡዑም ብላዕ እካ ዝበሃል። ኮመንት ኣይንሕመቅ ነንሕደና ንመሃሃር እሞ ናብ ፍሬንድስኩም ክትበጽሕ ሽር ሽር ንበላ ምቁራት።please Share it with your friends.thanks

18/12/2019

ዘገርም ተራእዩ ዘይፈልጥ ውድድር ብኣቃውማ ጫማ ብደቅንስትዮ ኢታሊ(ጥልያን) ሽር በልዋ ናብ መሓዝትኩም ክግረሙ ምሳኩም። Share and enjoy it.

Vil du plassere din virksomhed på toppen av Computer Og Elektronik Service-listen i Odense?
Klik her for at gøre krav på din sponsorerede post.

Videoer (vis alle)

Internet side

Adresse

Odense
5220