Word Ministry-ኣገልግሎት ቃል
ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር:: Titus-2:1
1Kings 19 ትግ - 1ይ ነገስት
11: ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ።
እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ( ) ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ።
።
ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን።
12: ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡
።
13: ኰነ ድማ፡ ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ በሎ።
ኣብ እዮብ-38፡1 እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ #ንፋስ መሊስሉ እዩ።
እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና ንደቂ እስራኤል ክዛረቦም ከሎ #ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኮይኑ እዩ።
እግዜኣብሄር ካብ ማእከል #ሓዊ ቃላት 10 ትእዛዛት ብድምጹ ሂቡ እዩ።
እዚኦም ኩሎም ግና ንኤልያስ ንምግጋይ ድማ ፈቲኖም።
ኤልያስ ግና ነቲ ኣምላኽ ዘለማመዶ ድምጺ ድኣ ተጸበየ እምበር ብፈሊጠ ታሪኽ ተደናጊሩ ብጋሻ ንፋስ፡ ምንቅጥቃጥ ኰነ ሓዊ ኣንፈቱ ኣይሰሓተን።
ምስ ዝነፈሰ ኣይትንፈስ፡
ብምንቅጥቃጥ ምደሪ ኣይትደሃል፡
ብጋሻ ሓዊ ከይትብላዕ፡ ባህሪ ድምጺ እግዜኣብሄር ኣለሊኻ ፍለጥ።
Isaiah 49 ትግ - ኢሳይያስ
8-9: እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡....
ንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም።
#ጽዮናውነት
1 Corinthians 3 ትግ - 1ይ ቆረንቶስ
17: ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤት መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።
49 ትግ - ኢሳይያስ
8-9: እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡....
ንምድሪ ኸተቚማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኺበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኺረኽቡ እዮም።
#ጽዮናውነት
መዓልቲ ኣገልግሎት ቃል
31 October
Word Ministry Day
መዓልቲ ኣገልግሎት ቃል 31 October Word Ministry Day
31st October Word Ministry Day
October 31Word Ministry-ኣገልግሎት ቃል
ጽባህሕ ጥቅምቲ 31 መዓልቲ ኣገልግሎት ቃል እዩ
I will come LIVE on Facebook
#2007
Acts 1 ትግ - ግብሪ ሃዋ
6: ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሐተትዎ።
ጉዳይ እስራኤል
Word Ministry-ኣገልግሎት ቃል ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዚግባእ ጌርካ ንገር:: Titus-2:
/
እዚ ትምህርቲ እዚ ካብ 2017 ጀሚሩ መንፈስ ቅዱስ ናይ ልበይ ዘምጸኦ ኮይኑ፡ ኣብ ክርስትያናዊ ዕቤት ደረጃ ብደርጃ ዘለኻዮ መድረኽን ክትበጽሖ ዘለካ ደረትን ንዳኣርኣየካ ዝኸይድ እቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ እዩ።
እዚ ትምህርቲ እዚ ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት 20፥ 20 - 32 ዝብገስ ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሕ ክፋላት መጽሓፍ ቅዲስ ድማ ከም ሓሳብ ብዝርዝርን ብቐደም ተኸተል ተቐሚጡ ንረኽቦ።
ልዕሊ ኹሉ እሙንን ሓቅን ዝገብሮ ድማ ኣብተን 3 ድምጽታት እግዚኣብሄር ኣቦ ብዛዕባ 1-ትንሳኤን 2-ሽመትን 3-ክብረትን ወዱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ እተሰረተ ስለ ዝኾነ እዩ።
#1ዳዊት 2 (Psalms)
7፤ እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፣ እግዚኣብሄር በለኒ፣ ንስኻ ወደይ ኢኻ፣ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
ግብሪ ሃዋ 13 (Acts)
32-33፤ ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና።
#2እብራውያን 5 (Hebrews)
6፤ ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልክጼዴቅ ንዘልኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዚብል።
እብራውያን 5 (Hebrews)
9-10፤ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።
#3እብራውያን 1 (Hebrews)
13፤ እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ፧
እዚ ቀጺልና ኣስፊሕና እንርእዮ 3 ዓይነት ወንጌል ኣብዘን 3 ኣዋጃት እግዚእብሄር ኣብ እተሰረተ እዩ።
1ይቲ ኣዋጅ
"ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።"
2ይቲ ኣዋጅ
"ንስኻ ከም መዓርግ መለከጸዲቅ ንዘላኣለም ካህን ኢኻ።"
3ይቲ ኣዋጅ
"ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ክሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ።"
ቅድሜና ዝነበሩን ዝጸንሑም ናይ ኣምላኽ ኣገልገልቲ ከም እኒ በዓል E.W Kenyon, Kennet E Hagin and Kennet Coplandን ካልኦት መዘናታቶምን፡ ነዚ ሓሳብ እዚ
"What happened from the cross to the throne" ዝብል ኣርእቲ ሂቦም ብዙሕ ምሂረሞ እዮም። 3 ዓይነት ውንጌል ኢልካ ክትዛረበሉ እንከለኻ ግና ዝያዳ ንጹርን፡ ብሩህ ቅርጽን፡ ቀደም ተኸተል ፍጻሜታትን ደረጃታትን እትርእየሉ ይኸውን።
እዞም 3 ዓይነት ውንጌል ሓዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶን ክፋነዎም እንከሎ ኣብ ዝተዛረቦ ለበዋ ብተርታ ከደም ተኸተሎም ትጠቒሶም "ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ / The whole cousel of God" ዝብል መጠርነፊ ገላጺ ስም ተዋሂብዎም ንረኽቦም።
1 -
2 -
3 -
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
20-21፤ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
24፤ ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
25፤ ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎ ከምዚ ጌሩ ነዞም 3 ገጻትን ደረጃታትን ወንጌል ፈላልዩ ብተርታ ምስ እቐመጠልና
ን3ቲኦም ደሚሩ "ሙሉእ ምኽሪ ኣምላኽ / The whole counsel of God" ዝብል ገላጺ ሓሳብ ናይ ሓባር ስም እተሚቕዎም።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
26-27፤ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።
ቀጺልና እስከ ንድምቀቶም ዝኣክል በዞም ኣስማት ከም ዘለዉዎ ኣብ ጽሑፋት ተቐሚጦም እንተኾይኖም ንርአ።
ግብሪ ሃዋ 11 (Acts)
20፤ ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾክያ ምስ መጹ፡ #የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
24፤ ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።
ማቴዎስ 24 (Matthew)
14፤ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።
ስለዚ እምባኣር ወንጌል 3 ዓይነት እዩ ንብል ኣሎና።
ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝባሃል ኣሎ ንዘይደሓኑ ዝንገር ብስራት ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ስለ ሓጥያት ነፍሲ ወከፍ ሰብን ንምጽዳቕናን።
ሮሜ 1 (Romans)
16፤ ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።
ብድሕሪኡ ውን ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ዝበሃል ካኣ ኣሎ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሰሚዖምን ኣሚኖምን ምድሓን ረኺቦም ክንሶ፡ ምድሓኖምን ጽድቆምን ውሕስነቱ ኣብ ዕለታዊ ተግባራቶም ዘይኮነስ ኣብ ክህንነት ጎይታና የሱስ ከስቶስ ምዃኑ ዘበስር ዜና።
እብራውያን 5 (Hebrews)
9-10፤ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ።
ካብ ኩነኔን ክስን ሓራ ኣውጺኡ ብጽድቂ በምልኾ ከምኡ ውን ብጥንቃቐ ክንነብር ዝምህረና ንርስትና ብቑዓት ጌሩ ዝሃንጸናን ዝዳልወናን ንውሉድ ኣምላኽ ዝንገር ወንጌል እዩ።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
32፤ ሕጂ ድማ #ንኣምላኽን ነቲ #ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን #ኬረስትየኩምን ዚኽእል ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
#ሳልሳይን መወዳእታን ድማ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዝበሃል ኣሎ።
ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ መሰረቱ ንግስነት ጎይታና የሱስ ክርስቶ እዩ። ብዛዕባ ናይ ደቂ ኣምላኽ ርስቲ ማለት ውርሻ ድማ እዩ ዝዛረብ።
ኤፌሶን 1 (Ephesians)
19-21፤ ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዚስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም አሎኹ።
ኤፌሶን 2 (Ephesians)
6-7፤ ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ።
ሮሜ 8 (Romans)
17፤ ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ፡ #ንኣምላኽ ። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።
ራእይ 1 (Revelation)
4-5፤ .....ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ፡
6፤ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ #ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
ራእይ 5 (Revelation)
9-10፤ ንሳቶም ከኣ፡ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ፡ እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እምበኣር፡ ምስ ጎይታና የሱስ ክርስቶ ኣብ ሰማያት ካብ ምንጋስና እተላዕለ ኣብ ምድሪ፡ ኣብዛ ሂወት እዚኣ ተቐቢልናዮ ብዛዕባ ዘለና ናይ ምግዛእ ሓይሊ እዩ ዘበስር። ብግቡእ ከም ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ገጽን ዓይነትን ወይ ውን ደረጃ ወንጌል ንህዝቢ ኣምላኽ ክንገሮን ክመሃሮን ዝለዎ ርእሱ ዝኻኣለ ወንጌል/ብስራት እዩ።
ብዘይ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናብ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምእታው ኣይከኣልን እዩ። እዚ ዝስዕብ ጥቕሲ ነስተብህለሉ፥
ሮሜ 5 (Romans)
1፤ እምብኣርሲ ፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
2፤ #ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና።
ሳላ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ድማ እና ርስትና ክንወርስ ሓይልን ትብዓትን እንረክብ።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
32፤ ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
ብሓፈሻ ኣምበኣር ድምር ውጽኢት ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ወንጌል ጸጋ ኣምላኽን እዩ ናብ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዘብጽሓና።
ሮሜ 5 (Romans)
17፤ ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ #እቶም #እዮም።
1 - እቶም ትርፊ ጸጋን (ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ)
2 - ውህበት ጽድቅን (ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ)
#እተቐበሉ
3 - ኣብ ሂወት ኣዝዩ ብዙሕ #ክገዝኡ እዮም (ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ)
ሰልስቲኡ እቲ ሓደ ነቲ ድሕሪኡ ዘሎ ባይታ እንዳንጸፈ ተኣሳሲሩ ዝኸይድ ሰንሰለት እዩ።
So the gospel is Threefold / ወንጌል 3 ዓየነት እዩ።
ካብዚ ቐጺልና ድማ ኣብ መጻሕፍትን ምዕራፋትን ስፍሕ ብዝበለ መልክዑ ሰፊሩ እንተሎ ክንርኢ ኢና።
እዚ 3 ዓይነት ወንጌል እዚ ብሰፊሕን ብዝበለጸ ዝርዝራዊ መብርህን ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ካብ ምዕራፍ 1 ክሳብ 5ይ ምዕራፍ ተገሊጹ ንረኽቦ ኢና። ከምኡ ውን ኣብ መጽሓፍ እብራውያን ካብ ምዕራፍ 1 ክሳብ ምዕራፍ 10 ተቐሚጡ ንረኽቦ ኢና። ኣብ ሮሜ ሰፊሕ መግለጺ እተዋህቦ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ፡ ኣብ እብራውያን ሰፊሕ ሸፈነ መግለጺ ዝረኸበ ድማ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እዩ።
ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መጽሓፍ ሮሜ ካብ 1ይ ምዕራፍ ጀሚሩ ክሳብ ራብዓይ ምዕራፍ ንወንገል ጎይታና የሱስ ክርስቶ ብኹሉ ሸነኻቱ ንዳብርሀ ይመጽእ እሞ ኣብ ሓምሻይ ምዕራፍ ናብ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ምምሃር ክሰግር እንከሎ ከምዚ ይብል፥
ሮሜ 5 (Romans)
1፤ ፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና።
2፤ #ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና።
ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምምሃር ክዛዝም እንከሎ ኣብ ናይ ጎይታ የሱስ ሞትን ትንሳኤን እዩ ሰቒልዎ።
ሮሜ 4 (Romans)
25፤ #ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
ከምኡ ድማ ንወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ክምህር ክጅምር እንከሎ ኣብ ሂወት የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝሰቕሎ፥
ሮሜ 5 (Romans)
10፤ ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና፡ ካብ ተዐረቕና ደኣ፡ ።
እዚ "ብሂወቱ" ማለት ድማ ንናይ ድሕሪ ትንሳኤኡ ዘሎ ናይ ክህንነት ኣገልህሎቱ እዩ ዘመልክት ዘሎ።
እብራውያን 7 (Hebrews)
23፤ እቲኣቶምሲ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ።
24፤ እዚ ግና ፡ ።
25፤ ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ።
ከምዚ ጌሩ ንወንጌል ጎይታና የሱስ የትሕዘና እሞ፡ ከም ውጽኢት ድምር ክልቲኦም ወንጌላት ገና በዚ ሓደ ክርስቶስ ኣብዛ ሂወት እንገዝኣሉ ናይ ንግስነት ሓይሊ ከም እተጎናጸፍና የበስረና። ከምዚ ብምባል፥
ሮሜ 5 (Romans)
17፤ ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም።
እዚ ድማ እቲ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ እንብሎ እዩ።
ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ዝጾረ ዓንዲ ድማ ምኽባር ማለት ንግስነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ።
ጎይታና የሱስ ምስኡ ኣብ ሰማያት ኣብ ዝፋን ስለ ዘቐመጠና ኢና ኣብ ምድሪ ናይ ምግዛእ ሓይሊ ተቐቢልና።
ዳዊት 110 (Psalms)
1፤ ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።
2፤ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
3፤ በታ ሰራዊትካ እተኽትተላ መዓልቲ ህዝብኻ ፈትዩ ይመጽእ፣ ከምቲ ኻብ ከርሲ ወጋሕታ ዚመጽእ ኣውሊ ከምኡ መንእሰይካ ብልብሲ ቕድስና ይመጹኻ።
1 - ትሕዝቶ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ
ወንጌል ጎይታና የሱስ ክትስቶስ ብባህሪኡ ቀዳማይን መሰረታውን እዩ ብመሰረት ናይ ጳውሎስ ኣገልግሎት ድማ ንኣህዛብን ንኣይሁድን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ብጎይታና የሱስ ድማ ክኣምኑን ይጽውዕ። ኣተኩሮኡ ድማ ናብ ክልተ ጉጅለ ሰባት እዩ፥
ሀ- ንኣምላኽ ዝፈልጡ ንጽድቂ ድማ ብግብሪ ሕጊ ዝደልይዎ ኣይሁድ፡
ለ- ንኣምላኽ ዘይፈልጡ፡ ጽሑፍ ሕጊ ድማ ዘይተቐበሉ ኣህዛብ።
እዞም ክልተ ሰባት ብማዕረ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጥኣን ምዃኖም ከሲሱ፡ ንኽጸድቁ ክልቲኦም ብኽርስቶስ ምእማ ማን ከም ዘድልዮም የረድእ እሞ፡ ብክርስቶስ ክሳብ ዘይኣመኑ ግና ኣብ ትሕቲ ፍርድን ቁጥዓን ኣምላኽ ከም ዘለዉ ይነግር።
ሮሜ 1 (Romans)
16፤ ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።
18፤ ቊጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዚኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ።
ሮሜ 3 (Romans)
9፤ እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሔሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና።
10፤ ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡
ከምዚ ገይሩ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንሰብ (ዓለም) ብሓጥያቱ ይረትዖ እሞ፡ እቲ ኽጸድቀሉ ካብ ኣምላኽ እተዳለወሉ ናይ ድሕነት መንገዲ የርእዮ፥
ሮሜ 3 (Romans)
21፤ ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ።
22፤ ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዚኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡
ስለዚ ሕመረት መልእኽቲ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ፍርዲ ዘይኮነ ብስራት ኣዩ። ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ እንተኣሚንካ ካብ ሞት ናብ ሂወት ካብ ሓጣያት ናብ ጽድቂ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከም እትሳገር ዝነግር ዓቢ ብስራት ምድሓን/በጅነት እዩ።
ሮሜ 3 (Romans)
24፤ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ።
25፤ ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሐደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኼርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ።
26፤ ንሱ ጻድቕ ኪኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ኬጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኺገልጽ እዩ።
ቀጺሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብርሃም ብእምነት ብጸጋ እምበር ብግብሩ ከም ዘይጸደቐ ይምጉት እሞ ፡ ዳዊት ውን ኣብ ዘበኑ ኮይኑ ነዚ ወንጌል ዝእውጆ ዘሎ በጅነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ከም ፍሪኡ ዝርከብ ይቕረታን ሕድገት ሓጥያት ግብርኻ ብዘየገድስን ሃረር ከም ዝበሎ ብምምጓት ከመይ ገይሩ ንወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ክምዝሰብኮ የርእየና።
ኣብ መወዳእታ ድማ "ንዓና በቲ ንጎይታና የሱስ ካብ ሞት ዘተንስኦ ንንእምን እታ እምነትና ጽድቂ ከም ኮይና ከም እትቑጸረልና የበስረና።
ስለዚ ናይ ጎይታና የሱስ ሞትን ትንሳኤን ትርጉሙ እንተ ተረዲኡና ኣብኡ ወልጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ተዓቚሩ ስለ ዘሎ ነቶም ኣብ ጸላም ዘለዉ ናብ ናይ ድሕነት ብርሃን ከነምጽኦም ክሕግዘና እዩ።
ንወንጌል ጎይታና የሱስ ጸይሩ ዘሎ ዓንዲ እዪ
"ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ" ዝብል ናይ እግዚኣብሄር ኣቦ ድምጺ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ ዚ ዓንዲ እዚ ድሒረ ኣብ ታሕቲ ክዛረብ እየ።
ብመሰረት ናይ እብራውያን ጸሓፊ፡ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ "ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ" እዩ።
እብራውያን 6 (Hebrews)
1-2፤ ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡
1- ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡
2- ብእምነት ብኣምላኽ፡
3- ብትምህርቲ ጥምቀት፡
3- ብምንባር ኣእዳው፡
4- ብትንሳኤ ምዉታት፡
5- ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን
ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ።
እዞም 5 ኣርእስትታት ናይ ትምህርትታት ኩሎም ኣብዚ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝሕቆፉ እዮም።
ካብዚ ዝሓልፍ ደረጃ ምርዳእ ተዘየብልካ፡ ገና ኣብቲ ቐዳማይ ደረጃ ናይ ወንጌል ጥራይ ኢኻ ዘለኻ። ብዘይ ምግናን ውን 2/3 (ክልተ ሲሶ) ናይ ርድኢትካ ካልእ ወንጌል እዩ። ጽበዝሕ ኣባል ምንቅስቓስ ጴንጤ ቆስጤ ካብዘን 5 ኣርእስትታት ዝሓለፈ ፍልጠት ክርስቶስ ስለ ዘይብሉ ንመልኽቲ እብራውያን ካብ 7ይ ምዕራፍ ንዳሓር ፈጺሙ እዩ ዘይፈልጣ። መኽንያቱ ንሳ ብዛዕባ ፍጽምና ( once saved forever saved ) ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እያ እትምህር።
@ብዚ ንሓደ ነብሲ እዘን 5 ትምህርትታት ምሂርካ እንተ ኣትሒዝካዮ መሰረታዊ ትምህርቲ ክርስትና (ትምህርቲ ድሕነት) ወዲእካሉ ኣለኻ ማለትዩ። ቀጺሉ ናብ ናይ ብጽሕና ትምህርቲ ብዛዕባ ፍጽምና ማለት ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ከተሕልፎ ኣለካ፡ ናብ ዕጹም ብልዒ (ትምህርቲ ዕቤት)።
ከምዚ ናይ ዘበንና እናሻዕ መሰረት ከተሰርቶ ኣየድልን ዩ።
ስለዚ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ፥
2 - ትሕዝቶ ወልጌል ጸጋ ኣምላኽ
ናይ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ኣተኩሮ ዘይከም ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ምድሓን ዝረኸቡ እዩ። ሓደ ሰብ ወንጌል ጎይታና የሱስ ተበሲሩ ብንስሓ ናብ ኣምነት ምስ መጸ እቲ ብሓጥያ ሞይቱ ዝነበረ ሕልንኡ (ናይ መንፈሱ ድምጺ) ብደም የሱስ ተሓጺቡ ከም ቅጽበት ህያው ስለ ዝኸውን ብዛዕባ ሓጥያት ተነቃፊ እዩ። ስለዚ ኣቲ ሰብ ብስጋ ተሳሒቡ ኣብ ሓጥያት ምስ ዝርከብ ሕልንኡ ይነቕፎ፥ ማለት ብናይ በደለኛነት ስምዒት ይጉባእ። ህዝቢ ኣምላኽ ብሓጥያት ኣብ እንተሓዘሉ ግዜ ካብ ሰይጣን ንላዕሊ ሕልናና እዩ ሽግርና። ኩሉ ግዜ፥
*ሰይጣን ይኸሰና
*ሕልናና ይወቕሰና
*መንፈስ ቅዱስ ግና ይድግፈና።
ስለዚ ናይ ሓደ ዝደሓነ ኣማኒ ሽግር ምስ ዋሕዲ ፍልጠት ዝተሓሓዝ ናይ ሰይጣን ክስን ናይ ሕልንኡ ወቐሳን እዩ።
ሓደ ክርስትያን ንናይ ሕልንኡ ወቐሳ ከመይ ይምልሰሉ ተዘይ ተረዲኡ "መንፈሳውነት ንዓይ ኣይኮነ" "ሓጥያት የ ኸብዝሕ ምበር ንኣምላኽ ከሐጉሶ/ከስምሮ ኣይክእልን እየ" ብዝብል መደምደምታ ካብቲ በዲልካ ዝብሎ ሕልንኡ እንዳተቐበለ ዝተደቑሰ ህሱይ ሂወት እዩ ዝነብር። ስለዚ ዩ ኣብ እብራውያን-10፥19-21 "በዲለ ካብ ዝብል ሕልና" ልብና ከነንጽህ ከምዘድልየና ዝምህረና። በዲለ ካብ ዝብል ሕልና ልብና ናይ ምንጻህ ሓላፍነት ናትና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ውን ኣብ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ከምዚ ይብለና፥
1ይ ዮሃንስ 3 (1 John)
19-20፤ ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ።
21፤ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት አሎና።
ኣብ ልብና "በዲለ ኣንድየ ሞ" ዝብል ነቐፌታ ወይ ክፉእ ሕልና ክሳብ ዝሃለወና ጽሎትና እምነትና ትብዓት ለምዘይብሉ እዩ ዮሃንስ ዝምህረና ዘሎ። ልብና ተዘይ ነቐፈና ግና ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣለና። ምንም እኳ ብዝበደልና ልብና እንተኾነነና ግና ንልብና ከነህድኦ ከምዘለና እምበር ብናይ በደለኛነት ስምዒት ሕልናና ከነዕርብ ከምዘየብልና ዩ ዝነግረና።
እቲ ንናይ ልብና/ሕልናና ነቐፌታን ኩነኔን ዝፍውስ ሓቂ ዝሓዘለ ኣምበኣር እዚ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እዩ።
ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ካብ ናይ ገዛእ ሕልናና ኩነኔን ነቐፌታን ሓርነት ከውጽኣና ዝተላእከ ሓቂ ክህንነት ጎይታና የሱስ ክርቶስን ናይ ደሙ ናይ ምንጻሕ ሓይልን ኣዩ። እዚ ብስራት ኣዚ እዩ ካብ ናይ በደለኛነት ደቛስን ጨቋንን ስምዒት ኣናጊፉ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ከነስተማቕር ናብ ውሽጢ መቕደስ ዘእትወና።
*ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እዩ፥
ሮሜ 8 (Romans)
1፤ እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።
እሉ ንልብና ዕረፍትን ህድኣትን ዝዛረቦ።
*ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እዩ፥
ኤፌሶን 1 (Ephesians)
7፤ ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።
እሉ ደረት ዘይብሉ ምሕረት ኣምላኽ ዘርእየና።
*ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እዩ፥
ሮሜ 5 (Romans)
9፤ እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቚጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን።
10፤ ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዐረቕና፡ ካብ ተዐረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን።
ብምባል ሰግኣት ፍርድን ቁጠዓን ኣምላኽ ወጊድና ኣባታዊ ፍቕሩ ከነስተማቕር ሓይሊ ዝህበና።
ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እምበእር፡ ትሕዝቶ ብስራቱ ንውሉድ ኣምላኽ ኣብታ ዘይትለዋወጥ ፍቕሪ ኣምላኽ ተሰሪቶም ክህነጹ ንርስቶም ሃሰስ ክብሉ ዘረድእ ኮይኑ፡ ውሕስነት ምድሓኖምን ትብዓቶምን ኣብ ክህንነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እምበር ኣብ ገዛእ ጽድቆምን ቅድስናኦምን ከምዘይምርኮስ ብምምሃር ዘይናወጽ ቅርጺ የትሕዞም።
ስለዚ ድማ እዩ ናይ እብራውያን ጸሓፊ፡ እቲ ንወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ከምኡ ገይሩ ዘርዚሩን ኣነዚሩን ዝመሃሮ ዘየልቦ ጸሓፊ፡ ንወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ከምርሆ ኣንከሎ ብዛዕባ እዞ ዝስዕቡ ሰፊሕ መብርሂ ዝህብ፥
1- ሓይሊ ውሕስነት ክህንነት የሱስ ክርስቶስ፥
እብራውያን ማዕራፋት 5፡ 7፡ 8ን
2- ናይ ደም የሱስ ናይ ምንጻህ ሓይሊ፥
እብራውያን ሞራፍ 9
3- ናይ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ናይ ምቕዳስ ሓይሊ፥
እብራውያን ምዕራፍ 10
ናይዞም ሰልስተ ሓይልታት ድምር በረኸት እዩ እምባኣር ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ።
እብራውያን 10 (Hebrews)
19-20፤ ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡
*በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ
*ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና፡
*21፤ ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፡
22፤ ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሐጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ።
23፤ እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።
ንምድምዳም እምበኣር፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ነቶም ምስ ክርስቶስ ንእምላኽ ክንወርስ ዘደሓንና፡ ነቲ ብዛዕባኡ እተወለድናን ዝደሓንናን ርስትና ብቑዓት ገይሩ ክሃንጸና ዝዓለመ ቃል ጸጋ ኣምላኽ እዩ።
ግብሪ ሃዋ 20 (Acts)
32፤ ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኺሀንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ኬረስትየኩምን ዚኽእል ቃል ጸጋኡን ኤማሕጽነኩም ኣሎኹ።
3 - ትሕዝቶ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ
ሕመረት ትሕዝቶን መልእኽትን ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ "መንግስቲ ኣላትካ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መግስቲ ኢኻ፡ ንግስነት ተዋሂብካ ኢኽ" ዝብል ናይ ሓላፍነት ቃል እዩ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ምስ ፈጠሮ ቀጥታ ንምድሪ ናይ ምግዛኣን ምምላኻ ስልጣን ኣዩ ሂብዎ።
ኣዳም ሓጥያት ብምግባሩ ግና ነዚ ኽብሪ እዚ ኣጥፊእዎ።
እብራውያን 2 (Hebrews)
6፤ ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ አሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ፧ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ክትኣልዮ፡ እንታይ እዩ፧
7፤ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ።
8፤ ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዅሉ ኼግዝኣሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘየግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሐደገን። ግናኸ ኵሉ ኸም ዚገዝኦ፡ ንሕና ገና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና።
ሮሜ 3 (Romans)
23፤ ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም።
ምፍሳስ ደም ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ግና ካብ ሓትያትና ሓጺቡ ብምንጻህ ንናይ ንግስነት ሓይልን ክብርን ኣብቂዕና እዩ።
ራእይ 1 (Revelation)
4-5፤ ...ንእኡ፡ ነቲ ዜፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሐጸበና፡
6፤ ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
ኣሕዋተይ ከምቲ ካህናት (ኣገልገልቲ ዕርቂ) ምዃንና እንኣምን፡ ከምኡ ውን ነገስታት ምድሪ ምዃንና ውን ነዚ ቓል ክንቅበሎን ክንኣምኖን ይግብኣና ኣዩ።
እዚ ቓል ዝብለና ዘሎ፡ ናይ ሕጂ ካህናት ናይ መጻኢ ድማ ነገስታት ኣይሞነን።
"...ንእግዚኣብሄር ኣቡኡ መንግስትን ካህናትን ክንኮኖ ዝገበረና።"
ንሕጅን ኣብዛ ሂወት እዚኣን ብማዕረ ነገስታትን ካህናት ኴንና ተሼምና ኢና።
ንግስነትና ዝፋኑ ኣብ ሰማይ ኣዩ። ኣብ ሰማይ ኢና ነጊስና ዘለና፡ ኣብ ምድሪ ኣይኮንና። ግዝኣትና ግና ምድሪ እያ ሰማይ ኣይኮነን።
ኤፌሶን 2 (Ephesians)
6-7፤ ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዚመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና።
ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ ምስ ክርስቶስ ኣብ ዝፋን ኣብ የማኑ ዘቕመጠና ኣኡ ጸንባህለል ክንብል ዘይኮነ ኣብ ምድሪ መታን ጸብለል ክንብልን ክንገዝእን እዩ።
ናይ ሰማይ ዝፋንና ኣብ ምድሪ ማለት ኣብዛ ሂወት እዚኣ ክንገዝእ ዘኽእለና ሓይሊ እዩ ኣዕጥቑና። . . ሰለዚ ሰማይ ዝፋንና እዩ፡ ምድሪ ድማ መርገጽ እግርና እያ።
እቲ ቓል "ኣብ ምድሪ ድማ ኽገዝኡ እዮም" እዩ ዝብል።
ራእይ 5 (Revelation)
9-10፤ ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
ትርእዩ ኣለኹም!?የሱስ ጎይታ ተሓሪዱ
ብደሙ ምስ ዓደገና፡
መንግስትን ካህናትን እዩ ገይሩና።
እንተ እታ "ኣብ ምድሪ ድማ #ክነግሱ እዮም" እትብል ቃል ግና ኣብ ምትርጓማ ጌጋ ኔሩ።
"ኣብ ምድሪ ድማ #ክገዝኡ እዮም" እያ ክትንበብ ዘለዋ።
መኽንያቱ፡ ድሮ ኣብ ሰማያት ምስ ክርስቶስ ኣብ ዝፋን ምስ ተቐመጥና ነጊስና እና።
ካብዚ ሽልጣን እዚ እተላዕለ ድማ ኣብ ምድሪ ክንገዝእ-ሓይሊ ከነንጸባርቕ ትጽቢት ይግበረልና እዪ።
ስለዚ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ "ኣብ ምድሪ ክትገእ ንኽትክእል ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያት መንግስቲ (ዝፋን/ስልጣን) ተቐቢልካ ኢኻ ዝብል ኣብቲ ውዱእ ስራሕ ኣምላኽ እተመርኮሰ ብስራት እዩ ዘለዎ።
ዳዊት 110 (Psalms)
2፤ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን በትሪ ስልጣንካ ኺልእኽ እዩ፣ ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ።
ዳዊት 23 (Psalms)
5፤ ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ ኣሎ።
እግዚኣብሄር ክንገዝእ ክብርና መሊሱልና ሓይሊ ሂቡና እንብል ዘለና ኣብዛ ኩሉ ዓይነት ሽግር፡ ሓጥያት፡ ሕማም፡ ሞት፡ ድኽነት፡ መርገም፡ ጭቆና፡ ወጽዓ...ወዘተ ዝመልኣ ምድሪ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ቓል "ኣብ ማእከል ጸላእትኻ ግዛእ! ዝብለና።
ስለዚ ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ ብክርስቶስ ሰዓርቲ ምዃንና ክንፈልጥ የድልየና። ፍልጠት ክንብል እንከለና ግና ኪንዮ በእምሮ ምፍላጥ ዝኸደ ምግላጽ ማለትና እዩ።
ምግላጽ ምለት ኣብ ሓደ ሸነኽ ኣቲዂሩ ዝወሃበካ ብርሃን መንፈስ ቅዱስ እዩ። ብዘይ እንዳ ወሰኸ ዝኸይድ ብርሃን መፈስ ቅዱስ ኣብ ምግዛእ ብኹሉ ሸነኻት ናይ ሂወት ክንዓቢ ዝከኣል ኣይኮነን።
ራእይ 22 (Revelation)
5፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ #ኬብርሃሎም፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ኪነግሱ (*ክገዝኡ) እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይኪኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይኬድልዮምን እዩ።
ብውልድነና ንግስትታትን ነገስታትን እኳ እንተኾንና ኣእምሮና ብናይ ጸሓይን ወርሕን (ብናይ ስጋን ደምንፍልጠት) ዘይኮነ ብብርሃን መንፈስ ቅዱስ ክሕደስ ኣለዎ። በዚ ብርሃን እዚ ክንመላለስ ክንጅምር እንከለና ድማ እዩ ኩነታትን ነገራትን ክግዛኣና ዝጅምር።
ስለዚ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናብ ውሉድነት ከም ዘብቃዓና ናብ ጸጋ ኣምላኽ ንምእታው ውን ከምዘኽኣለና፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ድማ ንርስትና (ምግዛእ) ብቑዓት ገይሩ ይሃንጸናን ቅርጺ የትሕዘናን እሞ፡ ምንግስቲ ምዃንና ናይ ንግስነት ሓይልን ናይ ምግዛእ ሓላፍነትን ከም እተቐበልና ድማ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ይምህረና።
ሮሜ 5 (Romans)
17፤ ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝኤ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ኪገዝኡ እዮም።
ይ ቕ ጽ ል . . .
2ይ ክፋል
እቶም 3 ኣዕኑድ ናይ 3 ወንጌላት
1 - ሞትን ትንሳኤን ጎይታና የሱስ ክርስቶስ
ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ
2 - ክህንነት የሱስ ክርስቶስ
ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ
3 - ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ
ንግስነት የሱስ ክርስቶስ
?
፡ ፡ #ማሕበራት.....
ብዙሕ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልክዕ ንምዝራብ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣሕዋት ሓሶት ክዛረብ እንከሎ ኣብ ኣእምሮና ዝህሉ ስእሊ፡ ንውልቃዊ ዕላምኦም ክፍጽሙ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣምላኽ ዝማላለሱ ዘይደሓኑ ሰባት ወይ ዓለማውያ እዩ ዝመስለና።
እቲ ሓቂ ግና በንጻሩ እዩ። ፡ ፡ #ዝተጠመቑ፡ ። ።
።
ገላትያ 6 (Galatians)
11፤ ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሐፍኩልኩም፡ ርኣዩ።
12፤ እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብልኹም ዘለዉ።
ብሰሮም ራኢኦም ክሳብ ዝምርምሩ፡ ናብ ሃዋርያት ናብ ዮርሳሌም ክሳብ ዝድይቡ ኮኑ።
ገላትያ 2 (Galatians)
4፤ እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኺገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ።
።
ግብሪ ሃዋ 21 (Acts)
20፤ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም።
21፤ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሙሴ ኺርሕቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፡ ሰሚዖምልካ ኣለው።
22፤ ምምጻአካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧
እቲ ንቡር ስሞም ኣሕዋት ሓሶት ኣይነበረን፡ ብዝብል እዮም ዝጽውዑ ዝነበሩ።
ሰብ ግዝረት ተባሒሎም እተጸዉዑሉ ምኽንያት ድማ፡ ብክርስቶስ ኣሚኖም ምድሓን ዝረኸቡ እኳ እንተነበሩ፡ ግናኸ ንሕጊ ሙሴ ናይ ምፍጻም ክቱር ቅንኣት ነበሮም። ነቲ ሰማያዊ ኽርስትና ኣይሁዳዊ/እስራኤላዊ ብምግባር ድማ ነህዛብ ብባህሎም ከንብርዎም ክገዝርዎም ዝንቀሳቕሱ ሃገራውያን ስለ ዝነበሩ እዩ። እዚኦም ንሓድሽ ኪዳን ምስ ብሉይ ኪዳን ኣዳቒሎም ክኸዱ ዝደልዩ ንመስቀል ክርስቶስ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረዱ ሓደገኛታታ ጉጅለ ነበሩ።
ገላትያ 5 (Galatians)
11፤ ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዚሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ።
ገላትያ 6 (Galatians)
12፤ እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዚብልኹም ዘለዉ።
እቲ ኻብ ኩሉ ዘደንጹ ግና ናይ እዞም ሰባት እዚኦም መራሕን ወዳብን ንሱ ሃዋርያ ያዕቆብ ሓው ጎይታና የሱስ ወድ ማርያምን ዮሴፍን እዩ ዝነበረ።
ገላትያ 2 (Galatians)
11፤ ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ።
12፤ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ።
ኣብዚ ጲጥሮስ ንመን እዩ ፈሪሁ?
ነዞም ሰባት? ኖእ ኣይፋሉን።
ነቲ ካብኡ ዝመጹ፡ ንያዕቆብ ዳኣ።
ኣብታ ናይ ሽዑ ማሕበር፡ ካብቶም ምርኡያት 3 እቲ 1 ያዕቆብ ናይዞም ሰባት እዚኦም ወዳቢ እዩ ዝነበረ።
እሞ ፓስቶርካ ከምኡ ኾይኑ እንተጸንሓካ ኣይትገረም።
ሓደ ሲሶ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣሕዋት ሓሶት ኮይኖም እንተረኸብካዮ ሰንቢድካ ራኢኻ ኸይትድርቢ።
ኣሕዋት ሓሶት እምበኣር፡ ካብ ኣምላኽ ውሉድነት ዝረኸቡ ኣሓዋትካ እዮም፡ ምናልባት ውን #ብመጠኑ ሓዎም ምዃንካ ይፍለጦም ይኸውን እዩ። ብተግባር ግና ንስኻ ዘይትፈልጦ ምበር ሓዎም ከምዝኾንካ ገይሮም ኣይኮኑን ዝሕዙኻን ዝቐርቡኻን።
ዋላ እኳ ብክርስቶስ ምዃንካ እንተፈለጡ፡ ንኽብርኻን መንነትካን ዝልክዕዎ ብክርቶስ ዘይኮነ ብዶግማ/Doctrine እዮም። ኩሉ ግዜ ከዋርዱኻን ከሕስሩኻን ስራሕካ ከፍርሱን ከከሻምሹን፡ ብዕጹው ልቢ ከዕልሉኻን ክትረኽቦም ኢኻ። እወ ብክርስቶስ ምዃንካ ጥራይ ንዐኦም እኹል ኣይኮነን፡ ሓርነትካ ካብ ደረት ትርኢቶም ክርሕቕ የብሉን።
እቲ ዝኣምንዎ ክርስቶስ ትእምን ኢኻ እቲ ዝሕልውዎ ግዝረት ግና ኣይትሕሉን ኢኻ። ናይ ርድኢት ፍልልይ ኣይጻወሩን እዮም። ብአኦም ተዓቂንካ ካብ ክሳድካ ንላዕሊ እንተነዊሕካ ክቆርጹኻ ኣሎዎም፡ ጸገም የብሎምን ብርእሶም ከመላልሱኻ ይኽእሉ እዮም። ወይ ክትደንን ክጽበዩኻ እዮም።
"እታ ነቢት ርድኢቱ ክቕይረሉ ኢየ ኢሉኒ ጎይታ"
ያዕቆብ ሓው ጎይታና እምበኣር እቲ ናቱ መርበብ ኣብ ዮርሳሌም ንበዓል ጴትሮስ ኣጃጅዩስ፡ ናብ ከይዱ ኣንጾክያ ንበርናባስ ተቖጻጺሩ ናብ ጳውሎስ ክስፋሕፍሕ ከቢድ መኸተ ገጢምዎ፥
ገላትያ 2 (Galatians)
14፤ ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልዉ ብግዲ ትብሎም አሎኻ፡
ሃዋርያ ያዕቆብ ክሳዕ ክንድዚ ነታ ናይ ዮርሳሌም ማሕበር በዲሁ ክሳብ 15 ምዕራፋት ግብሪ ሃዋርያት ናይ ገዛእ ርእሱ "ዶግማ/Doctrine" ሒዙ ብ "ሰብ ግዝረት" ዝጽውዑ ሓያል ናይ ስለያ ትካል ዝነበሮ ውዳበ ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ።
ካብዚኦም ብዝሓት ጥዑያት ጳውሎስ ውን ዝኣምነሎምን ዝምስክረሎምን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝሰብኩ ብኹሉ ርዱኣት ሰባት ( ሰብ ግዝረት ) ግናኸ ኣሕዋት ሓሶት ዘይኮኑ ነይሮም እዮም።
ቆሎሴ 4 (Colossians)
10፤ እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም አሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንበርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ።
11፤ ዮስጦስ ዚብሃል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዜገልግሉ ንምጽንናዕውን ዚዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም።
እዚኦም ንመንግስቲ ኣምላኽ እምበር ኣይሁድነት ዘይሰብኩ እቲ ሓድሽ ፍጥረት እተረድኦም፡ ግናኸ ከም ኣይሁዳውያን ነቲ ግዝረትን ሕግን ከም መንፈሳውነት ዘይኮነ ከም ባህልን ማሕበራዊ ክብርታትን ምስቲ ዘይደሓነ ቤተሰቦም ዝታኣሳሰርሉ ጥራይ ገይሮም ዘቐጸሉዎ ነበሩ። ብዛዕባ ኣህዛብ ካኣ ከም ኣህዛብ ይንበሩ፡ ኣብ ገለገለ ጥራይ ክጥንቀቑ ከምቲ ሃዋርያት ዝኣዘዙሎም ዝሓደግዎም ርዱኣት መንፈሳውያን ነበሩ።
ካብቶ ካለኦት ብጾቶም ሰብ ግዝረት (ኣሕዋት ሓሶት) ዝፈልዮም እምበኣር ካብዛ ምርዳእና ኣይትውጽኡ ዝብሉ ኣይነበሩን።
እዞም እንዛረበሎም ዘሎና ሰብ ግዝረት፡ ካብቲ ቐዳማዮ ሃዋርያ ያዕቆብ ጀሚርካ ብዙሓት ኣብታ ናይ የሩሳሌም ማሕበር ክርስቶስ፡ ኣብ ከም ሽማግልናን ዓንዲ ክሳብ ምዃንን ዓቢ ናይ ስልጣን ቦታ ተቖጻጺሮም ንሃዋርያት ብድሆ ኾይኖምዎም ነበሩ። ኽሳብ ኤስያን ኣውሮጵስን ተዘርጊሖም ድማ ነቲ ብጳውሎስን ብበርናባስን ነህዛብ እተሰብከ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ፡ ዓቐን ሓርነቱ ኣብ ምስላይን ክሳብ መልክዑ ንምቕያርን ይሰርሑ ነበሩ።
ገላትያ 2 (Galatians)
4፤ እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኺገብሩና፡ ተጐሐልዮም እተሐወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ኪስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ።
ገላትያ 1 (Galatians)
7፤ እዚውን ገለ ዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን።
ውድቦም ንኽፈርስ ግና ኣማስያኡ ምስ ጳውሎስን ባትናባስን ፊት ንፊት ተጋፈጡ። ንጳውሎስ ውን ምናልባት ንኸንቱ ጎየ ኸይከውን ወይ ይጎዪ ኸይህሉ ክስዝብ ምባል ኣብጽሕዎ። በዚ ጉዳይ ንምዝርራብ ውን ናይ የሩሳሌም ናብ ሃዋርያት ኣምርሑ።
ግብሪ ሃዋ 15 (Acts)
1፤ ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሀርዎም።
2፤ ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ መደቡ።
ገላትያ 2 (Galatians)
1፤ ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ።
2፤ እቲ ምድያበይ ከኣ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም።
ኣብ ጉባኤ የሩሳሌም መነመን ነበሩ?
1- ሃዋርያት ጴጥሮስ ዝመራሒኦም
2- ጳውሎስን በርናባስን
3- ሽምዝግለታት ማሕበርን (ሰብ ግዝረት ዝርከብዎም)
ግብሪ ሃዋ 15 (Acts)
4፤ ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም።
5፤ ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ።
6፤ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ።
7፤ ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሐረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም።
ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ሃዋርያ ያዕቆብ ነቲ ናይ ቐደም ዝሃንጾ ዝነበር ግዝረትን ኣይሁድነትን ብውሽጡ ተሳዒርሉ ዝነበረ ይመስል፡ ንናይ ጴጥሮስ መደረ ስዒቡን ከም መምለቚ ተጠቂሙን ብሓድሽ ናይ መትከት ለውጢ በለዂ በለ፥
"ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዝምለሱ ኣይነኽብደሎም" በለ።
ነቲ ናይ ወደም ያዕቆብ እሞ ንዘክሮ፡ ኣሸባሪ!
ገላትያ 2 (Galatians)
11፤ ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ።
12፤ ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሐቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ።
13፤ እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝናኦም ክሳዕ ዚሰሐብ ኰነ።
ናይ ያዕቆብ ደቀ መዛሙርቲ ( ሰብ ግዝረት ) ምስ መጹ፡ ንያእቆብ ከይነግሩሎም ጴጥሮስን በርናባስን ብዙሓት ኣይሁድን ብፍርሂ ካብ ኣህዛብ ርእሶም ብምፍላይ ተገበዙ።
ንበርናባስ እኳ ለከምዎ።
ጎይታ ነታ ማሕበር ብ ናይ ጴጥሮስ ስብከትን ትምህርትን ክትስረትን ክትህነጽ ኮነ ክትምራሕ እዩ ኣዚዙ።
ያዕቆብ ሓው ጎይታ ግና ነዚ ሓደራ እዚ ዝዓበየ መሰናኽል ኮይኑ እዩ ጸኒሑ።
ኣብዛ ናይ ዮርሳሌም ጉባኤ እዩ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ታሪኹ ምምዕርራይ ሓዲጉ ንጴጥሮስ ንራኢኡን እተገዝአ።
ኣብ ማሕበር ክርስቶስ መራሕን ተመራሕን ተዘየሎ ኣኺሉዋ ኣብ ናይ #መሳቱ ክርፍስ እያ ዕንክሊል ክትብል እትነብር።
በዚ ወግዓውን ትጽቢት ዘይተገብረሉን ናይ ያዕቆብ ናይ ርድኢት/መትከል/Doctrine መርገጺ ኣዋጅ እምበኣር ውዳበን ሓይልን ኣሕዋት ሓሶት ተጨፍለቐ።
ስሙር ናይ ማሕበር መልእኽቲ ድማ ንዝብተን ናይ ኣህዛብ ማሕበራት ተላእከ።
ግብሪ ሃዋ 15 (Acts)
22፤ ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ዚሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ኪሐርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዚበሀል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ።
23፤ ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና።
24፤ ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሀወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡
25-26፤ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሐሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና።
27፤ ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና።
28-29፤ ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሐሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።
30፤ ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ።
31፤ ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሐጐሱ።
ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግና፡ እቲ ናይቶም ኣሕዋት ሓሶት ጽልዋን ሓይልን ዳኣ እዩ ተወቒዑ እምበር፡ ያዕቆብን ብጾቱን ሰብ ግዝረት ኮይኖም ቀጺሎም እዮም ክሳም መወዳእታ፡ ካብ መጽሓፍ ያዕቆብ ምርዳኣ ይካኣል።
ያእቆብ 1 (James)
1፤ ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ።
ማለት ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘገልግሉ፡ ሓድሽ ፍጥረት ዝመንነቶም፡ ኣይሁድነትን ግዝረትን ካኣ ባህሎም ስርዓቶም።
ከመዮ ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ ዝባሃል ግና፡ ብዙሓት ካብ ሰብ ግዝረት ክሳብ ንጳውሎስ ኣሕሊፎም ዝህቡ ብኣይሁዳዊ ሃገራውነት/Nationalism ዓዊሮም።
ቲቶስ 1 (Titus)
10፤ ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን አለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ እዮም።
11፤ ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።
12፤ ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሃካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ።
13-14፤ እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ፡ ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም።
ካብዚ እነመሃሮ!
ብጎይታ ኣሕዋትና ኮይኖም ግናኸ ብጸቢብ ናይ ርድኢት ፍልልያት ኣመኽንዮም ኣሕዋቶም ምዃንና ክሳብ ዝኽሕዱ እዮም
#ኣብ ሕብረት ተመጻኻዮም መጽዩ፡ ተዘይመጻላ "ሎምስ ባ ኣይመጽእም ኣሎ"
#ኩሉ ግዜ ናይ ሓርነትካ ስለይቲ እዮም፡ ኣብ እተፈላለየ ኣርእስትታት ንዘሎካ ርዳኢትን ኣመለኻኽታን።
#እቲ ከም ኣካሎምን መዋርስቶምን ካብኦም ክትረኽቦ ዝግባኣካ ፍትሕን ሰናይ ሕልናን ይጎድለካ።
#ብዙሓት ካብኦም መሳርሒ እምበር መሳርሕቲ ክኾኑ ዘይተዓደሉ እዮም እዮም እሞ፡ ድንጋጽ ይግብኦም።
ኣብ ማእከሎም ብፍርሃት ምምልላስ ጸጋ እምበር ሕመቕ ኣይኮነን።
2ይ ቆረንቶስ 11 (2 Corinthians)
26፤ ብዙሕ ጊዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ።
ከመይ ክትሕዞም ይግባእ?
2ይ ጢሞቴዎስ 2 (2 Timothy)
23፤ ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ።
24፤ ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ።
25፤ ፡ ፡ #እናገንሖም፡
26፤ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም #እዮም።
2ይ ጢሞቴዎስ 2 (2 Timothy)
15፤ ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።
ገላትያ 6 (Galatians)
17፤ ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር አሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።
፡ ኣይትፍራህ??
Genesis 15 (ትግ) - ዘፍጥረት
1: ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህ፡ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኺበዝሕ እዩ።
ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚብሄር ንኣብራም፡ "ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ኣይትፍራህ" ክብሎ እዩ ብራኢ ለይቲ ማለት ብሕልሚ ተገሊጹሉ። ኣብርሃም ግን እንተ ኰነ ኢሉ፡ እንተ ብዘይፍላጥ፡ ንእግዚኣብሄር ዘይመምጽኢኡ ኣርእስቲ ኣትሒዙዎ። ከምዚ ዝስዕብ ብምባል፥
Genesis 15 (ትግ) - ዘፍጥረት
2: ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ፡ ወራስ ቤተይ ዚኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧ በለ።
እግዚኣብሄር ግን ሕጂ ውን ነዚ ናይ ኣብርሃም ሓድሽ ፍርሒ፡ መልሲ ክህብ እምነቱ ድማ ክሕድስ ብሕልሙ፡ በቲ ጸላም ለይቲ ናብ ግዳም ኣዛዊሩ፡ ከዋኽብቲ ኣጠሚቱ ብውሉድ ክባርኾ ምዃኑ ኣተስፍዩዎ።
እግዚብሄር ግና ናብ ኣብራሃም ዝመጸሉ ምኽንያት "ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣለኹ" ዝብል ናይ ኣብርሃም ፍርሒ ዘይኮነ፡ ካልእ ካብዚ ዝዓቢ ፍርሒ ኣብ ውሽጢ ኣብርሃም ስለ ዝነበረ፡ ንዕኡ ክፍውስ እዩ ዝነበረ።
ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ኣይትፍራህ" ዝብል ድምጺ ንስምዒት መኻንነት ዘይኮነ፡ ንፍርሕ ብሕትውና ክፍውስ እዩ ተላኢኹ።
ኣብ ቀልበልቦና (subconscious) ኣብራሃም ሓደ ብቓላት ዘይኮነ፡ ብተግባትን ኣካይዳን ዝግለጽ ፍርሒ ክሰርጽ ጀሚሩ ኔሩ እዩ። "ኣነ በይነይ እየ፡ መን ኣለኒ? ረዳኢ የብለይን! ዝብል ፍርሒ ንኣብርሃም ክስምዖ ጀሚሩ ኔሩ እዩ።
ስለዚ ድማ እዩ፡ ምስ እቶም ኣምላኽ ምድሮም ከውርሶ ተስፋ ዝሃቦ ህዝብታት ከንኣን ኪዳን ክታኣታቶ ዝጀመረ።
ሎጥ ወዲ ሓዉ ኣብ ምዕራፍ 14 ምስ ተማረኸ፡ ኣብርሃም ንመጀመርታ ግዜ ውግእ ገጢሙ፡ ስዒሩ፡ ወዲ ሓዉ ካብ ዘመትቲ ኣምሊሱ። ግና ዓወቱ ብዘየገድስ፡እቲ ክስተት ብዛዕባ መጻኢኡ ሻቕሎት ዝፈጥር ነበረ። ናይ ውግእን ሽርክነትን ኣካይዳ እቲ ኣከባቢ ተገንዚቡ ድማ ከይትንስኦም ከምኡ ውን ከይትንስእዎን ምስ ኣሞራውያን ኪዳን ተኣታትዩ ነበረ።
ምስቶም እግዚኣብሄር ርስቶም መንዚዑ ከውርሰና ዘተስፈወና፡ ኪዳን (@ይትተንክየኒ፡ ኣይትንክየካ) ካብ ምትእትታው ኣምላኽ ይርዳኣና።
Genesis 14 (ትግ) - ዘፍጥረት
13: ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም፡ እቲ እብራዊ፡ መጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ፡ እቲ ኣሞራዊ፡ ሓው ኤሽኮልን ሓው ዓኔርን፡ ይቕመጥ ነበረ። ።
ኣምላኽ ክትወርሶም ኢኻ እንዳበለካ፡ ኣብ ሕማቕ ግዜ ዋልታን ጸግዕን ክኾኑኻ ኪዳን ትታኣታቶን ትመሳሰሎምን እንተ ኣሊኻ፡ እቲ ተስፋ ድኣ ከመይ ኣቢሉ ይፍጸም። ከምዚ ርስትኻ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካ፡ ውሉድ ፈሪኻ ኸ እንታይ ከተረስትዮም ኢኻ፧?
ስለዚ እግዚኣብሄር፡ ንኣብርሃም " ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ኣይትፍራህ" ክብሎ እንከሎ፡ ምስ ኣሞራውያን ኪዳን ምትእትታውካ ኣይኮነን፡ ኣነ እየ #ዋልታኻ እዩ ዝብሎ ነይሩ።
ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ውሕስና ዘይምድላይ።
!
Word Ministry-ኣገልግሎት ቃል Is all about The WORD who became Flesh! Christ Jesus
Any one offended by my personal political view and overinvolvement on the ongoing social and political delimma of our region, please accept my sincere apology.
Isaiah 9 (ትግ) - ኢሳይያስ
6: ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።
Isaiah 9 (ትግ) - ኢሳይያስ
1: ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይኪነብርን እዩ።
ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ኬኽብራ እዩ።
Click here to claim your Sponsored Listing.
Videos (show all)
Category
Address
Leeds
• Hand drawn bespoke chalkboards. • Artwork and illustrations. • Content creation for your socials.
Studio 3, Duke Studios, 3 Sheaf St
Leeds, LS101HD
An independent studio with the freedom to create work that's impossible to ignore. Based in Leeds but working everywhere.
Leeds
Leeds, LS15
Assalamu Alaikum “السلام علیکم“ Hello, we welcome everyone to check our YouTube channel O & O Diaries
Leeds
Stand Out With One Of Our Services. انشاء مواقع و متاجر الكترونية خدمات سوشيال ميديا فيديو جرافيك
Leeds
Welcome to Daily Wise Perspectives,where we share daily quotes that offer a fresh perspective on life
Leeds
Specalist Adviser Team Lead - Public Image, RPIC Z19/20a , Past Inaugural Board Member Rotary GB&I
Leeds
⛓Break through self sabotage 💧Living Water 🌻Helping you reach your true health & wealth potential