Kelifa Art Gallery

Kontaktinformasjon, kart og veibeskrivelse, kontaktskjema, åpningstider, tjenester, stjerner, bilder, videoer og kunngjøringer fra Kelifa Art Gallery, Kunst og underholdning, Oslo.

******"ወዲ ሰብ ክንድዚ ዝሓመቐ ይሕመቕ ክንዲ ዝደኸመ ይድከም ኣብ ልቡ ፍርሓት ፈጣሪ እንተሃልይዎን ኢዱ ናብ ፈጣሪኡ እንተዘርጊሑን ሓደ መዓልቲ ትኽ ክብልን ሓይሊ ክረክብን ዝተለሞ ዕላማ እውን ክሃርም እዩ"

***ሂወት ሓጻር እያ ኢሎም ንሂወቶም መሊሶም ዘበላሽዉ ሰባት ክሪኢ ከለኹ መሊሰ እግረም"

***ንፈጣሪ ንግሆ ተንሴአ ዝልምኖ ማ ሙሉእ ጥዕናይ ክውዕል እዩ"

ከሊፋ ሳልሕ(ከሊል)

13/06/2024

ኣማኑኤል ገ/እዝጋብሄር ሻምፕዮን ክሮኖሜተር ኮይኑ።
Congrat ፓንታኒ።

Photos from Kelifa Art Gallery's post 04/05/2024

ኢብስዊች ታውን ድሕሪ 22 ዓመታት ናብ pl ተመሊሳ

Oamri ሂቸንሰን መጻኢ ክለብ ቸልሲ!!

ኣብ ቸልሲ ካብቶም ዕድል ክወሃቡ ዘይክእሉ ናይ መጻኢ ከዋኽብቲ ዝኮነ ዑማሪ ሂቻንሰን ናብ ኢብስዊች ታውን ብልቃሕ ድሕሪ ምስግጋሩ ድሕሪ 22 ዓመታት ናብ ፕሪመርሊግ ክትምለስ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ ኣሎ። ተስፋ እገብር ንዓመታ ኣብታ ዘለዋ ክለብ ኢፕስዊች ታውን ኮይኑ ብቅዓቱ ካብ ዘለዎ ከዕቢን ዕድል ክወሃቦ እንበር ናብ ቸልሲ እንተተመሊሱ ምህዋኽ ከይከውን ንሓደ ዓመት ምስታ ክለብ ክጸንሕ ድሌተይ እዩ።

04/05/2024

ኣሰርካ ኣብ ኣዱንያ እንታይ እዩ?

ኣብዛ ኣዱንያ ወዲ ሰብ እንተነወሐ 120 ዓመት እውን ይጸንሕ ይከውን ብዓቢኡ ኣብ ትሕቲ ኣላህ ዝፈውዶ ዕለት ሞቱ ኣይተርፍን እዩ። ነገር ግን ነታ መጻኢትን ዘልኣለማዊትን ዓለም እንታይ ኣትሪፉ ወይ እንታይ ትሕጃ ሒዝላ እዩ እቲ ኣገዳሲ። ወዲ ሰብ ክንዲ ዝሓየለ ይሓይል ክንዲ ዝበርተዐ ይበርትዕ ወላ በቲ ዝተሓተ መለክዒ ካብ ትሕቲ ፍቃድ ፈጣሪ ፈልከት ክብል ፍጹም ኣይክእልን እዩ።ወላ እውን ስፖርት ሰሪሑ ነብሱ እንተሃነጸ ኣካላቱ እንተሓበጠ ነገር ግን እዛ ቀላል ሰዓል ሒዛቶ ኣብ ዓራት ክድነስ ዝክእል ድኹም ፍጥረት እዩ ስለዚ ኩቡራት ኣሕዋት ነዛ ኣዱንያ ሰለይ እናበልና ንዝቅጽል ጉዕዞ ዝኾነና ኸይራት ንስራሕ ደኣ ኢንሻኣላህ ረቢ ይወፍቐና።

ከሊፋ ሳልሕ(ከሊል)

30/04/2024

ገብረሂወት ዮሃንስ(ገሬ)
መንደፈራ ዘፍረየቶ ሓርገጽ።

ዘለዎ ተኽለ ሰውነት ምስ ዕድሜኡ ኣነጻጺርካ እንክትሪኦ ዝተጋነነ እዩ ፡ሓንሳብ ሓፍ ምስ በለ መትሓዚ ዘይብሉ ተቀዳዳማይ ገሬ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ኣብ ስዊዝ ዝርከብን ።

ጎደናታት መንደፈራ ድሕሪ (ተስፋጋብር ዱሩይ፡ሙሴ ኣፈወርቂ፡ኣብርሃም በላይ፡ፋኑስ ጸጋይ፡ ዳዊት ሃብተ፡ተኪኤ ተስፋጋብር፡ሪድዋን ኑርሕሴን "ችክሊሉ"፡ሬድዋን ኣደም፡ዳኒኤል ተኽለሃይማኖት፡ተስፎም ዕቁባማርያም፡ ኤልያስ ኣፈወርቂ፡ዓወት ፡ዓወት ገ/ጻድቅን ካለኦትን ዝረኣዮን ካብቶም ዳሕረዎት ወለዶ ብሙኻን ዝተጋነነ ብቅዓት ኣንጸባሪቑ ብቀሊሉ ናብ ውድድራት ዞባ ማእከል ብምስጋር ንመዛኑኡ ጸብለል ክብል ዝከኣለ ኮኾብ ተቀዳዳማይ እዩ። ኣብዚ ግዜ ብዛዕቡኡ ዘለኒ ሓበረታ ጽባሕ ውድድር ከም ዘለዎ ኮይኑ ብዛያዳ ድማ ኣብ ቀጻሊ ንዘመዝግቦም ውጺኢታት ከቅርበልኩም እየ በዚ ኣጋጣሚ ዓወት እምነየልካ መተዓቢቲ gebrehiwet Ghebrehiwet Yohannes Birhane (ገሬ)

ሞራል ሃቡለይ !!

21/04/2024

ን ፓልመር ጎቲትካ ስሒብካ ኣኽቢብካ እውን እንተተኻኢሉ እዩ ካብዛ ስእሊ እንታይ ንዕዘብ ክቡራት ኣሕዋት!!

19/04/2024

ናህርታት ምሕታም መጽሓፍቲ ኮኾብ ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ብናህሪ ይቅጽል!!

ብዝኽተሎም ፍሉያት ዓይነት ቅድታት ኣጸሓሕፋን፡ኣፈጣጥራን፡ዛንታታቱ ዝልለ ኤርትራዊ ደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ቅድሚ ከም መቀጽልታ ስራሕቱ ሕጂ ድማ ኣብ ምሕታም ዝጸነሐት ሓዳስ መጽሓፍ "ቀያሕቲ -ባሮት" ኣብ መዛዘሚ ኣብጺሑዋስ ድሮ ናብ ዕድጋ ኣውሪድዋ ስለ ዘሎ ወነንታ ንሙኻን ኩሉና ናብዚ ኣብዛ ሓዳስ ቪድዪ ዘሎ ኣድራሻ ብምእታው ንግዘኣያ።

N.B ደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ኣብዚ ግዜ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ስለዝርከብ ሙሉእ ኣታዊ ናይዛ መጽሓፍ ንመሐከሚኡ ስለዝኾነን ኩሉና ብምግዛእ ከነተባብዖ እላበወኩም።ንኩቡር ደራሲ ዓብዱ ሰላም ሙሉእ ምሕረት ካብ ኣላህ እናተመነኹ ኣብ ዝቅጽል ስራሓትካ የራኽበና ብርዕኻ ትሰስን።

ከሊፋ ሳልሕ(ከሊል)

18/04/2024

እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኢልኩም ተሓስቡ ሪኢቶኹም ኣብዛ ናይ ኣርሰናል ጉዳይ!!
ቀጺሉ ዝስዕብ ተጻዋታይ ከ መን ይከውን ናብ መን ከ ይሰጋገር ይከውን ?

Photos from Kelifa Art Gallery's post 18/04/2024

ማድሪድ ምስ ሙኒክ ዓቀብቲ ሰላም ናይዚ ግዜ!!

15/04/2024

ኣብ 28 ደቂቅ ሃትሪክ ።

09/04/2024

ንፍሽኽታ ደቂ ዓበይቲ!!

06/04/2024

መዘኻኸሪ ዘካት ኣልፍጥሪ ክንህብ ኣለና!!

ካብ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዒድ ፈጥር ንጽጉማት ወገናትና ካብታ ዘላትና ግዴታና ዝኾነ ዘካተል ፍጥር ከነውጽእ ኣለና።
ዝኾነ ሰብ ን24 ስዓት ዝበልዓ ዓቕሚ ክሳብ ዘላቶ ከውጽእ ግዴታ ኣለዎ።

ረቢ ሰላትናን ስያምናን ዘካትናን ዱዓናን ይቀበለልና።

ኣሚን!!

05/04/2024

ጁምዓ ሙባረክ

እዛ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ጁምዓት ናይ ሎሚ ሮሞዳን እያ ምኽንያቱ ዒድ ኣልፈጥር ካብ ሶኒ ክሳብ ሰሉስ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ስለዝኾነት ንትቅጽል ጁምዓት ስለዘይተርክብን ስያምና ረቢ ይቀበለልና ንዝቅጽል ዓመት ድማ ብሰላምን ጥዕናን ምስ ሙሉእ ሓይልና ካብቶም ንሮሞዳን ነስተማቅራ ይግበረልና ኣሚን።

ብሓፈሻ ንመላእ ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ (ኤርትራ) ሰላምን ጥዕናን ፍቅርን ስኒትን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ይሃበልና ኣላህ ኣሚን።

ከሊፋ ሳልሕ(ከሊል)

04/04/2024

ኣብ ታሪኸይ ካብተን ዘይርሰዐን ምሸታት ጽልልቲ ምሸት ፓለመረይ ተስፋ እንግሊዛውያን ምሸትና ብሓጎስ መሊኣ!!!

31/03/2024

2 ደቂቅ ተሪፉዎ ኣሎ ጸወታ ክጅምር ግምትኩም ኣስፍሩ።

ግምተይ ማን city 3- 1 Arsnal።

24/03/2024

ቢኒያም ግርማይ ኣርማ ኣፍሪቃውያን ተቀዳደምቲ'ዚ ግዜ.

እጹብ ድንቂ ብቕዓቱ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ጸሚዱ ንስሙ ክዝምር ዝገበር ፍሉይ ሓይሊ ኣለዎ። ቅድሚ ሕጂ ንቅድድም ብሽክለታ ኪኖ ምዕዛብ ዝሓለፈ ነናትና ንድግፎም ተቀዳደምቲ ኣስማት ንጽውዕ ኔርና ሕጂ ግን ሳላ ቢንያም ግርማይ(ጠቃር) ከም ሰብና ንውጺኢት top 3 ብሃንቀውታ ንጽበ ኣለና። ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና ጸሊም ኣልማዝ። ኣብዛ ድሮ ጀሚራ ዘላ ቅድሚ ክልተ ዓመት ታሪኽ ዝሰረሓላ ቤልጂማዊት ከተማ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ድማ ውድድሩ ብሰላምን ብሉጽ፡ውጺኢትን ክዛዝም እምነየሉ።

ኩቡራት ኣሕዋት ቢኒ ሎምዓንቲ መበል ክንደይ ደረጃ ሒዙ ይዛዝም ግምትኩም ኣስፍሩ ። ብተወሳኺ ንእግረ መገድኹም ትፈውዎ ተቀዳዳማይ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ብፍላይ ድማ ኣብ ( ቱር ደ ፍራንስ ፡ቮልታ ስጳኛ፡ ጂሮ ዲ ኢታልያ) ።

23/03/2024

እንግሊዝ 0-1 ብራዚል።

ኣብ 71 ደቂቅ ተቀዪሩ ናብ ሜዳ ዝኣተወ ንብረት ርያል ማድሪድ ዝኾነን መንእሰይ ኣጥቀዓይ ኤንድሪክ መዐወቲት ሸቶ ኣመዝጊቡን።
Just wow ኤንድሪክን ቁመኑኡን ንሮናልዶ ናዛርዮ ብምልኣት ክትከኦ ዝኽእል ቁጽሪ 9 ረኺባ ኣላ ብራዚል።

ከመይ ረኺብኮ እዚ ቆልዓ።

22/03/2024

بسم الله الرحمن الرحيم

1. ንምንታይ ንጸውም?
2. ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት
3. ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም
4. ሕግታት ናይ ጾም
5. መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ?
6. ጾም ዘፍርሱ ነገራት
7. ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት
************************************************

ብመጀመርያ ነቲ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሮሞዳን ዘብጻሓና ልዑል ፈጣሪ ኣላህ (ሱብሓነሁ ወተዓላ) ምስጋና ይብጻሓዮ፣ ነቲ ነዚ ዘለናዮ ናይ እስልምና ብርሃን ተሰኪሙ ካብ መንገዲ ጸላም ናብ መንገዲ ብርሃን ብሓይሊ ናይ ኣላህ ዝመረሐና ነብይና ሙሓመድ (ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም)ን ንቤተሰቡን ንሰሓባን ንተኸተልቱን ኣማንን ሰላምን ካብ ኣላህ ይብጻሓዮም፣ ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ብዛዕባ ጾም ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ እንከለኹ ካብቶም ክልተ ናይ እስልምና ምንጪ ዝኾኑ ቁርኣንን ሓዲስ ናይ ረሱል (ሰ.ዓ.ወ)ን ምርኩስ ብምግባር እየ፣

ኣላህ ብመጀምርያ ክፈጠርና ከሎ ንዕላማ ከምዝፈጠረና ኣብ ቁርኣን ሓቢሩና፣ ንዕኡ ጥራይ ክንግዝኦ ኢሉ ከምዝፈጠረና ብንጹር መልክዑ ገሊጹልና፣ ዝኾነ ነገር ብዘይ ዕላማ ኣይትግበርን እዩ፣ ኣላህ ድማ ንዓና ንደቂ-ሰባት ናብዚ ዓለም ኣምጺኡ ንኽንግዘኦ ምእንቲ ፈጢሩና፣

ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ንኣላህ (ሱወ) ክንግዝኣሉ እንኽእለሉ መንገዲ ጾም እዩ፣ ኣላህ (ሱወ) ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል። “ኣንቱም ዝኣመንኩም ከምቲ ነቶም ቅድኹም ዝነበሩ ኣህዛብ ጾም ዝኣዘዝኩዎም ንዓኻትኩም ውን ክትጾሙ ኣዚዘኩም ኣለኹ ምእንቲ ፍርሃት ረቢ ከተጥርዩ፣” ሱረተል በቐራ 2።183.

ካብዛ ልዕል ኢላ ዝተጠቅሰት ናይ ቁርኣን ጥቕሲ እዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ነጥብታት ክንርዳእ ንኽእል።-

ኣላህ ናይ ጾም ጻውዒት ክገብር ከሎ ነቶም ዝኣመኑ እዩ ጻዊዒቱ ኣቅኒዕዎ፣ እቶም ዘይኣመኑ ግና ነዚ ጻውዒት እዚ ኣይምልከቶምን እዩ፣ ንሕና ድማ ኣልሓምዱሊላህ ካብቶም ናይ ኣላህ ልግሲ ዝተዓደልና ኣመንቲ ምዃና ድማ ልዑል ምስጋና ከነብጽሕ ይግበኣና፣
ጾም ንዓና ናይ ነብይ ሙሓመድ ህዝቢ ጥራይ ዝተኣዘዘ ሓድሽ ትእዛዝ ዘይኮነ ቅድሜና ዝነበሩ ኣህዛብ’ውን ብመንገዲ ነብያቶምን ናብኦም ዝወረደ ቅዱስ መጻሓፍትን ኣቢሉ ኣላህ ክጾሙ ኣዚዝዎም ከምዝነበረ ክንርዳእ ንኽእል፣
ጾም ናይቲ መሬትን ሰማይን ዝፈጠረ ክኢላ ኣላህ ትእዛዝ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል።። ንሕና ሰብ ንዘውጸኦ ሕግታት ከማን ተማእዚዝና ንኸይድ ዘለና ናይ ኣላህ ድማ ብዝያዳ ክንእዘዞን ከነተግብሮን ይግበኣና ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ቐንዲ ናይ ጾም ውጽኢት ድማ ተቕዋ ንምርካብ እዩ።።
ተቕዋ ክበሃል ከሎ ኣብ ቁርኣን 3 ትርጉም ሒዙ ንረኽቦ።-
ፍርሓት ናይ ኣላህ (ሱወ) ማለት እዩ።
ተምበርካኽነትን ምእዙዝነትን ንሓደ ፈጣሪ ኣላህ ማለት እዩ።
ልብኻ ኮነ ተግባራትካ ካብ ናይ ኩሉ ዓይነት ዘንቢ (ሓጥያት) ነጻ ምግባር ማለት እዩ፣ ነዘን ሰለስተ ዘማልአ ሰብ ተቕዋ ኣለዎ ንብሎ፣
ስያም(ጾም) እንታይ ማለት እዩ? እንታይ ዓይነት ጥቕምታት ከ ኣለዎ?

ስያም ማለት ናይ ዓረብኛ ቋንቋ ኮይኑ ኣብ እስልምና ካብ ቅድሚ ጸሓይ ምንራቓ ጀሚርካ ክሳብ ትዓርብ ዘሎ ጊዜ ካብ ንጾም ዘፍርሱ ነገራት ምርሓቅ ማለት እዩ፣ ንሳቶም ድማ።- መግቢ። መስተ። ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምፍጻም። ካብ ሕማቅ ዘረባን ተግባራትን ምርሓቕ የጠቓልል፣ramadan_fasting

ልክዕ ከም ስግደት (ሰላት)። ሓጅን ሸሃዳን። ጾም ሮሞዳን’ውን ሓደ ካብቲ ዓንዲ ናይ እስልምና እዩ፣ ወርሒ ሮሞዳን ካብተን ካልኦት ኣዋርሕ ፍሉይ ዝገብራ ብልጫታት ኣለዋ።-

– እቲ ቅዋም ናይ ወድ ሰብ ኮይኑ ከገልግል ካብ ኣላህ ናብ ናይ መወዳእታ ነብይ ሙሓመድ (ሰዓወ) ዝወረደ ናይ መጨረስታ መጽሓፍ ቁርኣን። ካብ ኣላህ ናብ ለውሓልማህፉዝ ኣብ ግዜ ሮሞዳን እዩ ወሪዱ፣

– ሮሞዳን ክጅምር ከሎ መዓጹ ናይ ጀና ይኽፈት። መዓጹ ናይ ገሃነም ይዕጾ። ሰይጣውንቲ ድማ ይእሰሩ።

– ኣብ ሮሞዳን ከምቲ ዝድለ ኣገባብ ናይ ጾም ጌሩ እሞ ድማ ካብ ኣላህ ብልቢ ኣጅሪ ደልዩ ዝጾመ ናይ ዝሓለፈ ዘንብታቱ ይድምሰሰሉ፣

– ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሸት ናይ ወርሒ ሮሞዳን ከኣ ኣላህ ካብ ናይ ሓዊ ገሃነም መቕጻዕቲ ነጻ ዝኾኑ ሰባት ብተግባሮም ይመርጽ፣ ስለዚ ወርሒ ሮሞዳን ደቂሰባት ካብ ሓቅ ገሃነም ነጻ ክኾኑ ዕድል ዝረኽብሉ ወርሒ እዩ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ሓንቲ ለይቲ ኣላ ለይለተል ቐድር ትበሃል ካብ 1000 ወርሒ ዝበለጸት። ብጀካ ኣብ ሮሞዳን ኣብ ካልእ ኣይትርከብን እያ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ሱና ከም ፈርዲ። ፈርዲ ድማ ከም 70 ፈርዲ ብተዓጻጻፊ ኣጅሪ ዝምዝገበሉ ወርሒ እዩ፣ ንኣብነት ሓንቲ ሰላት ክንዲ ናይ 70 ሰላት ኣጅሪ ይወሃበካ፣

– ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ኣላህ ንሙእሚን ዝህቦ ናይ ጾም ዓስቢ ካብ ናይ ካልእ ዒባዳ ዝተፈልየ እዩ፣ ኣላህ ይብል። “ኩሉ ተግባራት ወድሰብ ንዕኡ እዩ። ጾም ግን ናተይ እዩ ኣነ እየ ድማ ዓስቡ ዝኸፍሎ”፣

– ሮሞዳን ኣብ መጀመርት ራሕማ ዝርከቦ። ኣብ ማእከሉ መቕፊራ ዝዕደለሉ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ካብ ሃዊ ገሃንም ነጻ ዝበሃለሉ ወርሒ እዩ፣

ንምንታይ ንጸውም?

ብተፈጥርኡ ወዲ ሰብ ኩሉ ግዜ ነቲ ዝገብሮ ነገራት ንምንታይ እየ ዘተግብሮ ዘለኹ ኢሉ ናይ ምሕታት ባህርይ ኣለዎ፣ ጾም ድማ ንምንታይ ይጸውም ኢሉ ክሓትት ይኽእል እዩ፣መልሲ ናይዛ ሕቶ እምበኣር ብሕጽር ብዝበለ መልክዑ ንሕና ባሮት ናይ ኣላህ ስለዝኾና ነቲ ኣላህ ዝኣዘዘና ናይ ጾም ትእዛዝ ንምትግባር እዩ፣ ስለዚ ንጹር ዝኾነ ናይ ኣላህ ግበሩ ዝብል ብመንገዲ ነብዩና ሙሓመድ (ሰዓወ) ኣቢሉ ስልዘተኣዘዝና ንምትግባር እዩ፣ ካብኡ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብልና፣ ምኽንያቱ ኣስላማይ ማለት ኩሉ እንትናኻ። ሓሳብካን ድልየታትካን ንናይ ኣላህ ድልየታትን ትእዛዛትን ምንብርካኽ ማለት እዩ፣ ኢስላም ማለት ብቋን

ኢብን ዑመር ዝተባህለ ሰሓቢ ካብ ረሱል (ሰዓወ) ከምዚ ክብሉ ሰሚዐ ይብሉ።

እስልምና ኣብዘን ሓሙሽተ ዓንድታት ዝቖመት እያ።-

ብጅካ ሓደ ኣላህ ካልእ ፈጣሩ ከምዘየለ። ሙሓመድ (ሰዓወ) ድማ ናይ መወዳአታ ልኡኽን ባርያ ናይ ኣላህን ምዃኑ ምምስካ።
ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ግዜ ስግደት (ሰላት) ምስጋድ።
ካብቲ ኣላህ ዝሃበካ ገንዘብ ድማ ምምጽዋት (ዘካት ንድኻታት ምሃብ)
ኣብ ዓመት ሓንቲ ወርሒ ሮሞዳን ምጻም።
ኣብ ሂወትካ ሓደ ግዜ ሜካ በጺሕካ ናይ ሓጅ ኣገባብ ምፍጻም (ዓቕሚ ምስዝህልወካ)፣
ስለዚ ንሕና ኣስላም ኮይና ባሮት ናይ ኣላህ ካብ ኮና ነቲ ናቱ ትእዛዛት ካብ ምትግባር ሓልፍና ካልእ ኣማራጺ የብልናን፣ ኣላህ (ሱወ) ኣብ ቁርኣን ብመንገዲ ረሱል (ሰዓወ) ጌሩ ዝሃበና ፍቃድን ዝኣዘዘና ትእዛዛትን ተመሊሱ ንዓና ዝጠቅም ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምኽንያቱ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ኩሉ ጸጽቡቑ ኣፍቂደልኩም ኩሉ ከኩፍኡ ድማ ከልኪለኩም ይብል፣ ነገራት በቲ ናትና ናይ ደቂ ሰባት መምዘኒ ክንርእዮ እንተፈቲና ንዓና ዝጎድኣና መሲሉ ዝረኣየና ጠቓሚና ሙዃኑ ድሒሩ እዩ ዝርደኣና፣ ንኣብነት ንምጥቃስ መስተ ጥቁም ክነሱ። ርውየት ዝህብ ሓንጎልካ ዘረሳርስ ኮይኑ ዝረኣየና ኣላህ ግን ከልኪሉና ምኽንያቱ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ስለዝዓቢ፣ ምስ ሰኸርካ ናይ ስድራ ምብትታን ይመጽእ። ምስ ሰባት ትበኣስ። ዘይተደልየ ሓራም ትፍጽም። ነብሲ ሰብ ተጥፍእ። ክብረትካ ይቕንጠጥ

ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት

ካብ ጾም ዝርከቡ ጥቕምታት ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። ገለ ካብኦ ንምጥቃስ ዝኣክል።-

ናይ መንፈስ መግቢ እትረኽበሉ ወርሒ እዩ፣ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ብዝያዳ ናብ ኣላህና ቀሪብና ምእንቲ ናይ ኣላህ ፍቶት ንምርካብ ንኹሉ ስጋዊ ድልየታትና ነጺግና መንፈሳዊ መግቢ ንረኽበሉ ወርሒ እዩ፣ ቁርኣን ብምቕራእ። ሓሙሽተ ወቕቲ ሰላት ብግቡእ ብምምላእ። ተራዊሕ ብምስጋድ። ለይቲ ተሲእካ ብምስጋድን ዱዓ ብምግባርን ናብ ረቢ (ሱወ) ኣበርቲዕና መንፈስና ንምግበሉ ወርሒ እዩ፣
ናይ ተቕዋ ወርሒ እዩ። ካብ ኩሉ ዝዓበየ ናይ ጾም ጥቕሚ ተቕዋ ተጥርየሉ ወርሒ እዩ።። ከምቲ ኣብ መጀመርያ ጥቕሲ ተገሊጹ ዘሎ ቀንዲ ዕላማ ናይ ጾም ንሱ እዩ፣ ምኽንያቱ ኣብ ግዜ ጾም ንሓደ ኣላህ ከተሐጉስ ክትብል ካብቲ ኣላህ ሓላል ኢሉ ፍቁድ ዝገበሮም ነገራት ክትክልከል እንተደኣ ክኢልካ። ካብቶም ሓራም ዝኾኑ ነገራት ንኽትክልከል ነብስኻ ዓቢ ትምህርቲ ቀሲማ ፍርሃት ናይ ኣላህ ኣማዕቢላ ትወጸሉ ወርሒ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ንዝኾነት ማሺን ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ዝመረተ ክፋላ ግሮሶን ዘይትን ጌርና ነሐድሶን ናይ ላቫጆ ሰርቪስ ንገብረሉ። ነዛ ነብስና ድማ ሓንሳብ ኣብ ዓመት ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ዝተባህለት ጋራጅ ኣእቲና ዘድሊ ናይ መንፈሳዊ ላቫጆ እንህበላ ዓባይ ወርሒ እያ፣
ነብስኻ ትቐጽዓሉ ወርሒ እዩ። ከብድኻ ኣብ ዝመልኣሉ ግዜ ኩሉ ኣካላትካ ድልየታቱ ከማልእ ናብ ሓራም ዝኾኑ ተግባራት የቋምት። ኣብ ግዜ ጾም ግን ከብዲ ምስ ጠመየት ኩሉ ኣካላትካ ካብ ሕማቅ ተግባራት ተኸልኪሉ ናብ ናይ ኣላህ ትእዛዛት ኣብ ምትግባር ክቐንዕ ኣየጸግሞን፣ ጾም እምበኣር ንናይ ሰይጣንን ናይ ነብስኻን ፈተነ ክትስዕር ይሕግዝ፣
ጥሙይ ከምዘሎ ተስተብህለሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ከብድኻ ምስ ጠመየት ብዙሓት ሰባት ጠምዮም ዝበልዕዎ ዝሰኣኑ ሰባት ከምዘለዉ ኣስተብሂልካ እቲ ዝግበኣካ ሓልዮትን ሓገዝን ክትገብረሎም ከምዘለካ ተስተብህል፣ ከምቲ ኣብ መጓዓዝያ ተወጢሑ ዝኸይድ ሰብ ናይቲ ብእግሩ ዝኸይድ ዘሎ ሰብ ድኻም ዘይርደኦ። ጸዋማይ ድማ ኣብ ነብሱ ጥምየት ምስ ፈተና ናይ ካልኦት ሃለዋት ይፈልጥን ድኻ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ከምዘሎን የስተብህል ።።
ናይ ሓድነት መረጋገጺ እዩ። ጾም ድማ ናይ ኩሎም ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዓለም ዝርከቡ ሓድነት መርኣያ እዩ። ኩሎም ብሓደ ይጾሙ ብሓደ ድማ የፍጥሩ ንሓደ ኣላህ ድማ ይግዝኡ።። እዚ ጥቕሚ እዚ ኣብ ኩለን ዕንድታት ናይ እስልምና ይንጸባረቓ። ሸሃዳ ናይ እምነት ሓድነት። ሰላት ናብ ሓደ ቂብላ ወይ ኣንፈት ጌርካ ምስጋድ። ሓጅ ኣብ ሓደ መኣከቢ ቦታ ምእካብን ቀንዲ መርኣያ ናይ ሓድነት እስልምና እዩ፣
ናይ ምትእኽኻብ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ሮሞዳን የሕዋት ዝተኣኻከብሉ ብሓደ ኮይኖም ንኣላህ ዝግዝእሉ ዓቢ ናይ ዒባዳ መድረኽ እዩ። ነሕዋትካ ኣብ መስጊድ ኮነ ኣብ መኣከቢ ቦታታት ረኺብካ ብዛዕባ እስልምና ክትነግሮም ዕድል ትረክበሉ ኣጋጣሚ ከም ምዃኑ መጠን ድማ ነቶም ንነዊሕ ግዜ ካብ መንገዲ ኣርሒቆም ዝነበሩ የሕዋት ብልዙብ መልክዕ ስብከት ትገብረሎም።
ናይ ጥዕና ወርሒ እዩ። ከምቲ ናይ ጥዕና መጽናዕትታት ዝሕብርዎ። ዳርጋ ብዙሕ ዓይነት ሕማማት ቀንዲ ጠንቁ ካብ ምግቢ ዝመጽእ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ፣ ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ካብ መግቢ ተቆጢብካ ኣመጋግባኻ እንተሰሪዕካ ምሉእ ጥዕና ንኽትረክብ ዝዓበየ ተኽእሎ ኣሎ፣ ግን ኣብ መብዛሕትና ዝራኣይ ጌጋ ግን ኣብ ግዜ ሮሞዳን ብፍላይ ድማ ኣብ ግዜ ፉጡር ነህልኾ መግቢ ኣንጻር ናይቲ ክኾኖ ዘለዎ ምዃኑ እቲ ዕላማ ይሰሓት፣
ሰብሪ: ተጻዋርነትን ነብሰ-ምቁጽጻርን ተጥርየሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾም ነብስና ትደልዮ ኩሉ ከልኪልና ጥምየት። ጽምእን ስምዒታትናን ተቆጻዊርና ስለንውዕል። ነብስና ዓቢ ናይ ሰብሪ ትምህርቲ ቀሲማ ትወጽእ ማለት እዩ፣ብተወሳኺ ትሕትና። ስነስርዓትን ተምበርካኽነት ንሓድ ኣላህን ትመሃረሉ እዩ፣
መጠን ኣልቦ ዝኾነ ኣጅር ዝርከበሉ ወርሒ እዩ። ጸዋማይ ካብ ኣላህ ብዘይ መጠን መቑጸሪ ዘይብሉ ንሱ ጥራይ ዝፈልጦ ኣጅሪ ይረክብ።
ዱዓ ቅቡል ዝኾነሉ ወርሒ እዩ። ኣብ ግዜ ጾምካ ዝገበርካዮ ዱዓ ካብ ኣላህ ተቐባልነት ትረክብ፣ ዱዓኽእ ተሰሚዑ ኣብቲ ኣላህ ዝደልዮ ግዜን ኩነታትን ድማ ናይ ዱዓኻ ቅጽኢት ትረክብ፣
ጸዋማይ ክልተ ሓጎስ ኣለዎ። ጸይሙ ውዒሉ ከፍጥር ከሎን ኣብ የውመልቅያማ ናይ ዝጾሞ ዓስቢ ካብ ኣላህ ክረክብ ከሎን።
ጾም ዋሕስ እዩ። ጾም ኣብቲ ናይ መወዳአታ መዓልቲ ናይ ፍርዲ ግዜ ንጸዋማይ ይዋሓሶ። “ኦ ኣላህ ካብ መግቢ። መስተን ካልእ ድልየታቱን ከልኪለዮ ውዒለ እየ እሞ ክዋሓሶ ኣፍቅደለይ” ይብል።። ንጸዋማይ ከኣ ኣብ የውመልቅያማ ከም ሓያል ድርዒ ኮይኑ ካብ ናይ ሓዊ ጀሃነም ሓዊ ይከላኸለሉ፣
ሓንቲ መዓልት ንኣላህ ኢልካ ዝጾምካዮ ኣላህ ኣብ የውመልቅያማ ክንዲ ናይ 70 ዓመት መንገዲ ርሕቀት ካብ ጀሃነም የርሕቀካ፣ ሓንቲ መዓልት ንኣላህ ኢልካ ዝጾምካዮ እሞ ድማ እታ መዓልቲ ናይ መወዳእታ ናይ ሂወትካ ጊዜ እንተኮይና ኣላህ ንጀና የእትወካ።። ኣብ ጀና ድማ ረያን ትበሃል ኣፍደገ ኣላ ብጀካ ጸወምቲ ካልኦት ዘይኣትውዎ ኣብ የውመልቂያማ ጸዋማይ በታ ማዕጾ እቲኣ ይኣቱ።። ናይ ጸዋማይ ናይ ኣፉ ሽታ ድማ ኣብ የውመልቅያማ ኣላህ ካብቲ ናይ ጀና ጨና (ሚስክ) ዝበለጸ ይገብረሉ።።

ኣገደስቲ ነገራት ክንፈልጦም ዝግበኣና ብዛዕባ ጾም

– ብሓፈሽኡ ጾም ኣብ ክልተ ዓይነት እዩ። ንኽትጾሞም ግድነት ዝኾኑኻን እንተጾምካዮም ፍትዋትን ተባሂሎም ከኣ ይጽውዑ፣ እቲ ግድነት ጾም ንብሎ ኣብ ሮሞዳን ንወርሒ መመላእታ ንኽንጾሞ ዝተእዘዝናዮ ክኸውን ከሎ። እቲ ፍትው ዝበሃል ዓይነት ጾም ግን ብወለንታኻ ትጾሞ ጾም እዩ፣ ኣብ ሰሙን ክልተ ጊዜ ሶኒን ሓሙስን። ሰልሰተ ግዜ ኣብ ወርሒ። ኣብ ግዜ ዓረፋ ናይ ሓጅ ዝጽወም ኣብነት ናይ ፍቱዋት ዓይነታት ጾም እዮም፣

– ኣብ ግዜ ሮሞዳን ድማ ኣሹሑር ዝኾነ ክንበልዕ በረካ ከምዘለዎ ክንፈልጥ ይግበኣና። ወላ ሃንቲ መዓጎ ማይ ሰቲና ወይ ተምሪ በሊዕና ንድቅስ። ብዝተኻእለ መጠን ድማ ናብ ኣሱብሒ ዝቀረበ ጌርና ኣሹሁር ከነዶንግያ ይምረጽ።

– ፍጡር ከይነዶንጊ ብዝተኻእለ መጠን ጊዜኣ ምስ ኣኸለት ከይተዶናገና ከነፍጥር።

– ከምቲ ኣብ ሓዲስ ኣገባብ ኣፈጣጥራ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግዜ ፍጡር ድማ እንተተረኺቡ ብጥሉል ተምሪ። እንተዘየሎ ብንቁጽ ተምሪ። እንተዘየሎ ድማ ብማይ ከነፍጥር ፍቱው ይኸውን። ከተፍጥር ከለኻ ድማ ዝበሃል ዱዓ ትብል “እቲ ጽምኣት ረውዩ። መትንታት ተዓንጊሉ። ፍረ ጻማ ናይ ጾም ካብ ኣላህ ድማ ርጉጽ እዩ ኢንሻላህ።”

– ኣብ ግዜ ጾም ካብ ኩሉ ረቢ ዝጸሎኦም ተግባራት ክትክልከል ኣለካ።። ዝጾመ ሰብ ካብ ኩሉ ዓይነታት ዘንቢ ክኽልከል ኣለዎ፣ ካብ ሕምየታ። ጸርፊ። ሓሲኻ ምብኣስ። ዘይድልየካ ካብ ምርእይን ምስማዕን። ንሰብ ምዕማጽ ኮታ ካብ ኩሉም ዓይነታት ጎዳእቲ ሕማቅ ተግባራት ክትቁጠብ ይግባእ፣ እቶም ዘይተቆጠቡ ብጀካ ጥምየትን ጽምእን ካልእ ጥቅሚ ዘይረኽብሉ ሰባት ከይትኸውን ምጥንቃቅ፣

– ጠምየ እየ ውዒለ ኢልካ ብዙሕ ዘይምብላዕ።።

– ኣብ ግዜ ሮሞዳን ድማ ብተዓጻጻፊ ሰብ ምሕጋዝን ብዘለካ ዓቅሚ ምድጋፍን ካብቲ ከምልጠና ዘይብሉ ዕድል እዩ ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ራሕማ ዝኾነ ወርሒ ሓሰናት (ጽድቂ) ዝተዓጻጸፈሉ ወርሒ ስለዝኾነ፣

– ኣብ ግዜ ፍጡር ድማ ዱዓ ከተብዝሕ፣ ከምቲ ረሱል (ሰዓወ) ዝበልዎ። “መሳርሒ ናይ ሙእሚን ዱዕእ እዩ፣” ኣብ ካልእ ሓዲስ ድማ ረሱል (ሰዓወ) ከምዚ ይብሉ። “ዱዓ ሓንጎል ናይ ዒባዳ እዩ፣”

ሕግታት ናይ ጾም

ልክዕ ከምቶም ካልኦት ዓይነታት ዒባዳ። ጾምውን ናቱ ዝኾነ ሕግታትን ደንብታትን ኣለዎ፣

መን ንኽጸውም ግድነት ይኾኖ?

ኣብ እስልምና እዞም ዝስዕቡ ሰባት ንኽጾሙ ግድነት ይኸውን። እንተዘይጸይሞም ግን መቅጻዕቲ ካብ ኣላህ ኣለዎም ማለት እዩ። ንሳቶም ከኣ።- –

ዓቕሚ ኣዳም ዝበጸሐ (ዘይበጽሑ ሰባት ግን ክለማመዱ ቀስ ኢሎም ክጾሙ ይኽእሉ እዮም)
ኣስላማይ ወይ ኣስላመይቲ ክኸውን ኣለዎ ምኽንያቱ ኣላህ ነቶም ዝኣመኑ እዩ ጾም ፈርዲ ጌርሎም ዘሎ።
ኣእምሩኡ ብግቡእ ዝፈልጥ (ጥዑይ ሰብ)
ክጸውም ንዝኽእል (ሕሙም። ገያሻይ ቆልዓ ኣይምልከቶምን)
ነባሪ (ማለት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ገያሻይ ዘይኮነ)
ካብ ናይ ኣዴታታ ወይ ድማ ካብ ናይ ድሕሪ ወሊድ ዝመጽእ ደም ነጻ ዝኾነት (ንደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት)።
ኣገዳሲ ነጥቢ። ናብ እስልምና ዝኣተወ። ኣእምሩኡ ስሒቱ ኔሩ ናብ ንቡር ዝተመልሰ። ናይ ኣዴታታ ወዲኣ ደው ዝበለላን ዝነቀጸላ ሰበይቲ። ቆልዓ ነይሩ ዓቅሚ ኣዳም ዝበጸሐ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ዘርከቡለን ናይ ሮሞዳን መዓልታት ክጾሙ ይግባእ፣

መን ንኽጸውም ግድነት ዘይኮኖ?

ከምቲ ኣብ ቁርኣን ተጠቂሱ ዘሎ ገያሻይ ኣብ ግዜ መገሻ ንኸይጸውም ምሕረት ተጌርሉ እዩ፣ እቲ መገሻ ግን ነዊሕን ኣድካምን ምስዝኸውን ከተፍጥር ፍቑድ ይኸውን። ኣብ ካልእ ግዜ ግን ናይተን ዘፍጠርካየን ዝሓለፋኻ መዓልታት ጸብጺብካ ትጾመን (ቀዳእ ይበሃል)።
ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ሕሙም ድማ ካብ ጾም ነጻ እዩ፣ እቲ ሕማም ግዚያዊ ኮይኑ ክሓዊ ዝኽእል እንተኾይኑ ኣብ ዝሓወየሉ ክጸውም ይጅምር ናይተን ዝሓለፈኦ ድማ ኣብ ካልእ ግዜ ይጾመን (ይቐድየን)።
ናይ ዕድመ ሰብ ጸጋ ድማ ብሰንኪ ዕብየቶም ጾምን ድኻምን ክጻወሩ ዘይክእሉ ድማ ኣይጾሙን እዮም።። ግን ነቲ ክጸሙዎ ዝግበኦም ናይ ወርሒ ሮሞዳን ጾም ግን ብውህበት ይትክእዎ.. ንዘይብሉ ድኻ የብልዑ።።
ነፍሰ-ጾር ወይ ድማ ኣጣባዊት ዝኾነር ነንብሳን ንወዳን ትፍርህ ሰበይቲ ከተፍጥር ይፍቀደላ እዩ።። ግን ልክዕ ከምቲ ካልእ ድሕሪ ናይ ምጥባው ግዜ ምዝዛምን ናይ ምውላድ ግዜ ምስ ዝበጽሕን ቀዳእ ኢላ ክትጾሞ ኣለዋ፣
ኣብ ግዜ ኩናት ምስ ጸላኢኻ ኣብ ትገጥመሉ ጾም ከድክመኒ ይኽእል እዩ እንተደኣትብል ኮንካ ከተፍጥር ትኽእል።
ጾም ዘፍርሱ ነገራት

እንዳፈለጥካ ምብላዕ ወይ ምስታይ
ብፍላጥ ኢድካ የእቲኻ ምምላስ
ናይ ኣዴታት እንተደኣ መጺኡዋ
ድሕሪ ወሊድ ደም ምስ ዝፈሳ
ናይ ሓይሊ ተባሂሉ ዝውሰድ መግቢ ምስትወሲድ
መድሃኒት ከኒና ኮነ መራፍእ ምስትወስድ
ኣብ ግዜ ጾም ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምስትፍጽም
ኣብ ግዜ ጾም ብዘይፍላጥ ትበዖን ትሰትዮን ጾም ኣየፍርስን እዩ ኣብታ ዝዘከርካላ ግን ከተቋርጾ ኣለካ፣ እንዳፈልጥካ ምብላዕን ምስታይን ከምኡ ድማ ምስ ሰበይትኻ ርክብ ምፍጻምን እቲ ዝዓበየ ዘንቢ ስለዝኾነ ክንጥቀቀሉ ይግበኣና፣ ምትካኽ ሽጋራ ጾም የፍርስ እዩ፣

ኣብ ግዜ ጾምካ እንተገበርካዮም ንጾምካ ዘይትንክፉ ፍቑዳት ዝኾኑ ነገራት

ኣብ ዝኾነ ግዜ ምሉእ ኣካላትካ ወይ ክፋል ናይ ኣካላትካ ብማይ ምሕጻብ።
ከም ኩሕሊ። ናይ ዓይኒ ወይ ናይ እዝኒ ነጥቢ ዝእመሰሉ ነገራት።
ንሰበይትኻ ምስዓም ወይ ምትንኻፍ (ነብሱ ክቆጻጸር ንዝኽእል ሰብ):
ብኣፍካ ኮነ ብኣፍንጫኻ ማይ ምጉጽጓጽ። ማይ ከየስቶኽካ ንውሽጢ
ጥፍጣፍካ ምውሓጥ።
ብዘይደለኻዮ ከተምልስን ደቂስካ ከለኻ ዝፈሰካ ነገራትን ንጾም ኣየፍርስዎን እዮም፣

ረቢ ጾምና ተቐቢሉ ካብቶም ናይ ሎሚ ሮሞዳን ካብ ሓዊ ገሃነም ነጻ ዝበሎም ይግበረና ኣሜን!

ምንጪ ጽሑፍ ቤት እስላም Islam House well come.

17/03/2024

ክደግማ እየ ን እንግሊዝ ዋንጫ ከምጻኣላ ዝኽእል ብቁዕ ተጻዋታይ ኮል ፓለመር'ዩ!! ንዝቅጽል ዓመት ሽልማት ጎልደን ቦይ ክዕወተላ ድማ ክጽበ እየ።
( ሳካ ፓልመር ፎደን ) ናይ'ዚ ግዜ ዝበለጹ መንእሰያት ተጻወትቲ.
ካብ 100% ክንደይ ምሃብኩሞ ።

05/03/2024

ካብዞም ኣርባዕተ መንእሰያት ኣሰልጠንቲ ዓበይቲ ሊጋት ኤውሮጳ ኣብ መወዳእታ ዓመት ንጋንቱኡ መሪሑ ናብ ዓወት ዋንጫ ዘብቅዕ ኣሰልጣኒ መን እዩ፡ ንመን ከ ተድንቁ?

03/03/2024

እቲ ዜና ንሱዩ ሲቲ ስዒራ !!

ዝተለወጠ ነገር እንተደኣ ሃልዩ እቶም ሓሓደ ሃትሪክ ኣመዝጊቦምላ ዝነበሩ ፎደንን ሃላንድን ክልተን ሓንትን ሸቶ ኣመዝጊቦም ምውጸኦም እዩ ።

ዩናይትድ top 4 ክትውድእ ድያ ወይስ ?

02/03/2024

ዝኸበደ ጸወታት ናይዚ ቀዳመ ሰንበት ጽባሕ ዝካየድ ድርቢ ከተማ ማንቸስተር እዩ፡" ኣብዚ ዩናይትድ ብመስበርቲ ወሰንቲ ተጻወትቲ ተገዲዓትሉ ዘላ ግዜን ሲቲ ናብ ሓዲድ ዓወታ ተመሊሳትሉ፡ዘላ፡ግዜ ዝረአ ጸወታ ከመይ ክኸውን እዩ?

መን ትስዕር ?
ክንደይ ብክንደይ?
መነ መን ሸቶ የመዝግቡ?
መነ መን ከ ቀረብ ንሽቶ ይገብሩ?

ግምትኩም ኣስፍሩ ደቂ ዓበይቲ ጽቡቅ ዕድል ንደገፍቲ ክልቲኤን ክለባት።

28/02/2024

ዕጫ ርብዒ ፍጻመ ወዲቁ ኣሎ እታ ዘይዕድለኛ ክለብ መን እያ ንዓኹም?

26/02/2024

Together until the end.

25/02/2024

Congratulation liverpoolን ደገፍታን

ኣዝዩ ብሉጽ ህርፋን ናይ ዓወት ዘለዋ ጋንታ እያ ተዓዊታ ብፍካይ ዮርገን ክሎፕን ስብእኑኡን ደዊ ኢልካ ተጣቃዓሉ ደጊመ እንቋዕ ሓጎሰኩም ሎሚ ሊቨር ዘይኮነት ስዒራ ክሎፕ እዩ ስዒርና።

ብድሕሪ ክሎፕ እንታይ ክትከውን እያ ሊቨር ግን ገዚፍ ዘይተመለሰ ሕቶ? ክኸውን እዩ!!

Vil du plassere din bedrift på toppen av Kunst & Underholdning-listen i Oslo?
Klikk her for å få din Sponsede Oppføring.

Videoer (vis alle)

ክቡራት ተኸታተልቲዴየጎ ኣርማንዶ ማራዶና ኣብ ህዝቢ ናፖሊ ዝነበሮ ተቀባልነት እተሪኢ ሓጻር ትንተና ሒዘልኩም ቀሪበ ኣለኹ ክትከታተሉዋን ነዛ #ፔጀይ ድማ ሸርን ፎሎውን ብምግባር ክትስዑቡኒ ብ...
ህድእ ንበል።ብ ከሊፋ ሳልሕ (ከሊል)
00249906589310    ከሊፋ ሳልሕ(ከሊል)  Imo   :/    Watsap mesengerpls  ሸር /  like /  floww..
ጥዑም ዘይምኖ ' ጥበብ ጣዕሚ ቅላጸ ' አይጸላእክዎን '
ወኒ ' ወኒ ይበል  ዪ ጭራ ዋጣ ልክዕ መሳርሒ ባህላዊ ካብቲንኾርዓሉ መሳርሒ ሓደ ዩ ።ንመንእሰይ ኣይብል ዓቢ በቃ ወኒ ' ንዕኒ ደስ ተበለኩም like ሼር ዘይምሕማቅ ' ።
ግጥማዊት ቪድዮ ንኽብሪ ዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ልዕሎ ኬንያ።ብ ከሊፋ ሳልሕ (ከሊል)ኣብዛ  #ፔጅ   ላይክ ብምግባር ክትከታተሉኒ ድማ እዕድመኩም።#Shere           #Shr...

Telefon

Nettsted

Adresse


Oslo
Andre Kunst og underholdning i Oslo (vis alle)
Radioresepsjonen Radioresepsjonen
RR På NRK P13, RB22, Bjørnstjerne Bjørnsons Plass 1
Oslo, 0340

Den offisielle facebooksiden for Radioresepsjonen på NRK P13. Et lettbeint underholdningsprogram med Steinar Sagen, Tore Sagen og Bjarte Tjøstheim.

HEAT MUSIC HEAT MUSIC
Oslo

Music comes first!

Klovnen Missy - Mous.no Klovnen Missy - Mous.no
Oslo, <>

Klovnen Missy/Miss Disguise tar oppdrag som klovn og ansiktsmaler til bursdag, arrangementer, markedsdager, festivaler, firmafester mm. Alle forespørsler er velkomne!

Rom for Dans Rom for Dans
Marstrandgate 8
Oslo, 0566

Forestillinger, verksteder og kurs for og med barn, unge og voksne. Produksjons- og visningsrom for danse- og scenekunst. Kompetansesenter for nyskapende dans og koreografi. Bille...

arthaus arthaus
Hausmannsgate 28
Oslo, 0182

Arthaus er Norges ledende formidler av kvalitetsfilm fra hele verden.

daWorks daWorks
Torggata 10
Oslo, 0181

Norwegian label, music publisher and book publisher established in 2000. The company is based in Oslo.

Barratt Due musikkinstitutt Barratt Due musikkinstitutt
Lyder Sagens Gate 2
Oslo, 0304

Stiftet i 1927 og har siden spilt en viktig rolle i norsk musikkliv.

PervoSirkus / OsloFe**sh PervoSirkus / OsloFe**sh
Månefisken Og Nonna
Oslo

Alternative fester for lekende mennesker, arrangert av Pain Solution, Pinpoint Piercing og Oslo Fe**sh.

Brasil in scandinavia Brasil in scandinavia
Rua Das Pedrinhas
Oslo

This site is a community for people in scandinavia and are from brasil and friends of the brazilian

Norwegian Wood - Den Norske Beatlesklubben Norwegian Wood - Den Norske Beatlesklubben
Oslo

Den Norske Beatles-klubben «Norwegian Wood», etablert 1980, samler norske fans og promoterer Beatles.

Office for Contemporary Art Norway Office for Contemporary Art Norway
Nedre Gate 7
Oslo, 0551

Supporting art practitioners based in Norway and fostering dialogue with the international art field.

Norsk Militær Tattoo (Norwegian Military Tattoo) Norsk Militær Tattoo (Norwegian Military Tattoo)
Oslo, 0015

Denne siden legges ned - lik @forsvaretsmusikk for oppdateringer om NMT 2024!