Ethio - Eritrea church angola live stream studio

Ethio - Eritrea church angola live stream studio

Informações para nos contactar, mapa e direções, formulário para nos contactar, horário de funcionamento, serviços, classificações, fotos, vídeos e anúncios de Ethio - Eritrea church angola live stream studio, Organização religiosa, Luanda.

E.E.C. SUNDAY WORSHIP LIVE PROGRAM 05.11.23 05/11/2023

https://www.youtube.com/live/ZgC2pEKUonU?si=TqzP_WuTPoTcQjNx

E.E.C. SUNDAY WORSHIP LIVE PROGRAM 05.11.23 || Ethio Eritrea Church || E.E.C. TV CHANNEL ||Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. CHANNEL is worldwide Christian Youtube Network. Our mission ...

27/10/2023
LIVE MEZMUR BY PASTOR YONI ANGOLA CONFERENCE 04/01/2023

LIVE MEZMUR BY PASTOR YONI ANGOLA CONFERENCE || Ethio Eritrea Church || E.E.C. TV CHANNEL ||Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. CHANNEL is worldwide Christian Youtube Network. Our mission ...

Photos from Ethio - Eritrea church angola live stream studio's post 19/12/2022

E.E.C. CONFERENCE WITH Yoni & Sosi YoniSosi Tube



SUN 18/12/22

Photos from Ethio - Eritrea church angola live stream studio's post 17/12/2022

E E C. CONFERENCE IN LUANDA

Photos from Ethio - Eritrea church angola live stream studio's post 16/12/2022

Philippians 4 (ትግ) - ፊልጲ
19: ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Photos from Ethio - Eritrea church angola live stream studio's post 14/12/2022

WELCOME TO ANGOLA PASTOR YONI

10/12/2022

ዓቢ ናይ ኮንፈረንስ መደብ
ኩላትኩም ተቐማጦ ኣንጎላ ዕዱማት ኢኹም
ንገብረሉ ቦታ ሆቴል ድያማንት ጥቓ ፓርት’ዩ ።

27/07/2022

https://www.youtube.com/watch?v=zX0lfoyu5Qc&t=4s

WATCH FULL VIDEO FROM THE LINK ABOVE

E,E,C, LIVE WORSHIP BY MOGOS 2022 25/07/2022

እዚስ ኦሮማይ ኣይብልን የ
ኣይኮውንን ዪ ኣይብልን የ
ኣምላኸይ ካኣሊእዪ
ድላዪ ዝገብር ኢዪ
ኣምላኽይ ካኣሊዩ
ሂወት ክዘርኣለይዪ
ነገር ክልውጦ ዪ

ልዕሊ ልዕሊ ማዕበል ዘኺደኒ
ኣውሎ ንፋስ መጺኡ ዘየስጥመኒ
ቃል ኣሎኒ ዝተዋህበኒ
ኣብ ልዕሊ ማያት ዘኺደኒ
ኣብ ልዕሊ ማያት ዘበርትዓኒ

E,E,C, LIVE WORSHIP BY MOGOS 2022 || Ethio Eritrea Church || E.E.C. TV CHANNEL ||Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. CHANNEL is worldwide Christian Youtube Network. Our mission ...

E.E.C. 40 MIN LIVE WORSHIP SONG BY OKI [ ኩሉ ከኣሊ ] 2022 23/06/2022

E.E.C. 40 MIN LIVE WORSHIP SONG BY OKI [ ኩሉ ከኣሊ ] 2022 || Ethio Eritrea Church || E.E.C. TV CHANNEL ||Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. CHANNEL is worldwide Christian Youtube Network. Our mission ...

MOGOS ABI EKA E.E.C. LIVE WORSHIP SONG 2022 27/05/2022

MOGOS ABI EKA E.E.C. LIVE WORSHIP SONG 2022 || Ethio Eritrea Church || E.E.C. TV CHANNEL ||Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. CHANNEL is worldwide Christian Youtube Network. Our mission ...

OKI LIVE WORSHIP SONG || ኣይፍለይን ካባኻ || TIGRIGNA SONG 05/03/2022

OKI LIVE WORSHIP SONG || ኣይፍለይን ካባኻ || TIGRIGNA SONG || Ethio Eritrea Church || E.E.C. GospelMission CHANNELNow you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. GOSPEL MISSION CHANNEL is worldwide Christian Youtub...

RAHEL AMHARIC LIVE WORSHIP SONG || እናመልክሃለው || E.E.C. NEW SONG 01/03/2022

RAHEL AMHARIC LIVE WORSHIP SONG || እናመልክሃለው || E.E.C. NEW SONG || Ethio Eritrea Church || E.E.C. GospelMission CHANNELNow you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. GOSPEL MISSION CHANNEL is worldwide Christian Youtub...

SOLI E.E.C. LIVE WORSHIP SONG || ጥራይ ኩን ኣብ ጎነይ || 21/02/2022

SOLI E.E.C. LIVE WORSHIP SONG || ጥራይ ኩን ኣብ ጎነይ || || Ethio Eritrea Church || E.E.C. GospelMission CHANNELNow you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. GOSPEL MISSION CHANNEL is worldwide Christian Youtub...

NEW WORSHIP SONG BY FILMON E.E.C. 16/02/2022

NEW WORSHIP SONG BY FILMON E.E.C. || Ethio Eritrea Church || E.E.C. CHANNEL Now you are watching Ethio Eritrea Church. E.E.C. GOSPEL MISSION CHANNEL is worldwide Christian Yout...

16/02/2022

"ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሐይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዚደሊ የልቦን።"
ሉቃስ 5 ፡ 39

ጎይታ የሱስ እዚ መጠቃለሊ ሓሳባት ዝሃበ ድሕሪቲ ካብ ፈሪሳውያን ዝቀረበሉ ሕቶታት ምምላሱ እዩ። ነቲ ደቀመዛሙርትኻ ይበልዑን ይሰትዩን ኣለው እሞ ንክጾሙ ንገሮም ዝብል ዘረባ ፈሪሳውያን፡ "ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቆ የልቦን።" ብምባል ምምላሱስ እንታይ ይርድኣና፧ በዚ ዘለውዎ ደቀመዛሙርቲ ጎይታ ሓድሽ ትእዛዝ ክቅበሉ ዘይኽእሉ ማለት ከምቲ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ እንድሕር ኮይኖም፡ ናይ ጎይታ ነገር ንምቅባል ሓድሽ ኣሕርብቲ (ሓድሽ ፍጥረት) ክትኸውን ከምዘድልየኻ ነስተውዕልዶ፧ ዳግም ምውላድ ባህሪ ናይ ምምሕያሽ መስርሕ ዘይኮነስ እቲ ናትኻ ዘበለ ኣረጊት ከምዘይጠቅም ተረዲኡኻ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ሓድሽ ምዃን እዩ።
ብተወሳኺ'ውን ከራሚ ወይኒ ጥዑምን ልዙቡን እዩ፡ ንዕኡ ትሰቲ እንተኣለኻ ሓድሽ ወይኒ ዘመኒ የብሉን። ጎይታና ግና ብዛዕባ ወይኒ ክምህሮም ኢሉ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህይወቶም ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ግና ሓድሽ ነገር ከም ዘሎ ከርእዮም ስለ ዝደለየ እዩ። ንሳቶም ግና ነቲ ሒዞሞ ዝነበሩ ናይ ሕግን ጽድቂ ገዛእርእስኻ ተርእየሉ ከራሚ ህይወት ክገድፍዎ ፍቃደኛታት ኣይነበሩን። ሎሚ ኣነ'ኸ ኣብ ህይወተይ፡ ትምህርታተይ . . . ዘየኽይድ ዝሓዝኽዎ ከራሚ ነገራት እንታይ ይህልወኒ ይኸውን፧ ዎ ኣምላኸይ፡ ካብ ምልዋጥን ምዕባይን ዝዓግተኒ፡ ዋላ ንዓይ ዝምችኣኒ ይኹን ከራሚ ጉልባብ ይውደቀለይ።

15/02/2022

*ወንጌል ሉቃስ፣*
እዛ ሳልሰይቲ ወንጌል ብሉቃስ ዝተባህለ መገላግልቲ ሃዋርያ ጳውሎስን ብሞያ ሓኪም ዝነበረን ከም ዝተጻሕፈት ብዙሕ መረዳእታ ኣሎ። ሉቃስ እቲ እንኮ ካብ ወገን ኣህዛብ ዝኮነን ክልተ መጻሕፍቲ ማለት ወንጌል ሉቃስን ግብሪ ሃዋርያት ዝጸሓፈ እዩ። ወንጌል ሉቃስ እታ ዝነውሐት መጽሓፍ ናይ ሓድሽ ኪዳን ኮይና ብብዙሕ መጽናዕት ከም ዝተጻሕፈት ካብቲ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ'ውን ሉቃስ፡ "እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡" ብምባል ብዙሕ ምስክርነት ከም ዝረከበን ኣረጋጊጹ ይጽሕፍ ከምዘሎን ጽሒፉ ኣሎ።

ወንጌል ሉቃስ ብዛዕባ ልደት፡ ኣገልግሎት፡ ሞት፡ ትንሳኤ፡ ከምኡውን ዕርገት ናይ ጎይታና የሱስ ብዕምቆት የዘንቱ። እቲ ኣብተን ተመሳሰልቲ ወንጌላት ዘሎ ሓሳብ ከምዘለዎ እናሃለወ፡ ሉቃስ ግና ብዛዕባ ኣገልግሎትን ትምህርታትን ጎይታ ብዙሕ ዕምቆት ዘለዎ ዝርዝራት ጽሒፉ ኣሎ።

ገለ ካብቶም ኣብ ወንጌል ሉቃስ ጥራይ ንረኽቦም ፍጻሜታት፣
* ታሪኽ ምውላድ ዮውሃንስ መጥመቅ፡
* ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ዝነበረ ስምኦንን፡ ዛንታ ሃና ጓል ፋኑኤል፡
* የሱስ ወዲ 12 ዓመት ከሎ ከምዝጠፍአ፡
* ዝተፈልዩ ምስላታት ከም ናይቲ ሕያዋይ ሳምራዊ፡ ኣልኣዛርን እቲ ሃብታም ሰብኣይን፡ ፍትሒ ዝደለየት መበለት፡ ጸሎት እቲ ፈሪሳውን ተጋውን . . .
* እቶም 10 ጎይታ ዝፈወሶም ለምጻማት፡
* ዛንታ ዘኬዎስ፡
* ምልኣኽ ናይቶም ሰብዓን ክልተን
* ኣብ መገዲ ኤማሁስ ጎይታ ዝተገልጸሎም ደቀ- መዛሙርቲ ...... ወዘተ

ወንጌል ሉቃስ ዘስምረሉ ሓቂ የሱስ ፍጹም ኣምላኽን ሰብን ከምዝኮነን፡ ንሱ ድማ መድሓንን መሲህን ምዃኑን እዩ። እዚ ምድሓን ንኩሉ ሰብ ማለት ንኣህዛብ'ውን ከም ዘጠቃልል ንምግላጽ ካብ ዝተጠቅመሎም ዝርዝራት ድማ፡
- ንሓረግ ወለዶ ጎይታ ኣብ ክንዲ ኣብ ኣብርሃም ዝሕጸር ክሳብ ኣዳም ምውሳዱ፡
- ስጋ ዝለበሰ ኩሉ ምድሓን ኣምላኽ ክርኢ እዩ ብምባል ኣብ ሉቃ 3፡6 ምጽሓፉ፡
- ኣብነት ኤልያስን ኤልሳእን ብምምጻእ ኣብ ሉቃስ 4 ዝመሃሮ፡
- እወታዊ ኣመለኻክታ ብዛዕባ ሳምራውያን፡ ርሕሩሕ ሳምራዊ ብምባል ምስጋና ዝሃበ ካልእ ዝዓለቱ ብምባል . . .
እዚ ናብ ሓደ ኽቡር ቴዎፍሎስ ዝተባህለ ዝተጻሕፈ ወንጌል፡ ንዕላምኡ ኣመልኺቱ እቲ ጸሓፊ ባዕሉ ኣብ ሉቃ 1 ፡ 3 ከምዚ ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ፡ "ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ አሎ።"

'' ወዲ-ሰብ ንጥፉእ ክደልን ከድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ ንስኻ ከኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝኾንካ ነዛ ቤት ሎሚ ምድሓን ኮነላ። ''
ሉቃስ 9: 9-10

15/02/2022

እግዝኣብሄር ኣምላኽ ንለዋውያንን ንደቂእስራኤልን እቲ ኩሉ ዝገብርዎ ንሱ ኣምላኾም ምዃኑ እናዘከሩ ክገብርዎ ኢሉ ብምድግጋጋም ከምዚ ኢልዎም ኣሎ፡
" *ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ . . . "*

"ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡
*ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።"*
ዘሌዋውያን 25 ፡ 38፤

"ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡
ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም።
*ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።"*
ዘሌዋውያን 25 ፡ 55፤

" *ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ* እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ።"
ዘሌዋውያን 26 ፡ 1፤

". . . *ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም* እየ፡ ቊራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም።"
ዘሌዋውያን 26 ፡13፤

11/02/2022

"እቲ ቚስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ።"
ዘሌዋውያን 13 ፡ 45፤

"ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልትታት፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጻግኒኣ ትኹን፡
ርኽስቲ እያ።"
ዘሌዋውያን 15 ፡ 25፤

ካብዚ ነንብቦ ዘለና መጽሓፍ ዘሌዋውያን ነዘን ክልተ ኣብነታት ብምውሳድ ርኹስ ዝብሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ከም ዝኾነን፡ ሰብ ከይቀርቦ'ውን ርኹስ፡ ርኹስ እናበለ ክጭርሕ ከም ዝግብኦ ተጻሒፉልና ኣሎ። ንሕሰቦ'ሞ ንነብስኻ ርኹስ እየ እናበልኻ ክትእውጀላ፡፡ ጎይታ የሱስ ግና ኣብ ዘመን ህይወቱ ከሎ ነዞም ካብኦም ክትርሕቅ ዘለኻ፡ ምናልባት ሰብ ከይተንኸፎም ነዊሕ ዝገበሩ፡ ብሕክምና ክፍወሱ ዘይተኻእሎም በጺሕዎም እዩ። ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ለምጻም ምሳሕ ምብልዑ፡ ድሕሪ ናይ ከረን ስብኸቱ ነቲ ለምጻም ምፍዋሱ፡ ነቶም ዓሰርተ ለምጻማት ምሕዋዩ፡ ነታ ካብ ዓሰርተ ክልተ ዓመት ደም ዝፈሳ ዝነበረ ሰበይቲ ምሕዋዩ፡ ከመይ ዝበለ ፍቅሪ እዩ ዘርኣየ። ነዚ ናይ ምንጻህን ምፍላይን ሕጋጋት ምስ እንርእዮ ነቶም ሰብ ክበጽሖምን ክትንክፎምን ዘይኽእል ዝነበረ ብምብጻሕ፡ ኣባና'ውን ከመይ ዝበለ ዕዮ ከምዝዓየየ የነጽረልና። ማለት ንዓና'ውን ካብቲ ማንም ከድሕነና ዘይኽእል ዝነበረ ናይ ሓጢኣት ዓዘቅቲ ባዕሉ ኣውጺኡና፡ ብደሙ ሓጺቡ ናብ ኣቦ ኣቅሪቡና፡ ከመይ ዝበለ ፍቅሪ!!!

08/02/2022

"ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሐዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ።"
ዘሌዋውያን 10 ፡ 1፤

ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ ክልቲኦም ደቂ ኣሮን እቲ ዘይተኣዘዝዎ ስለ ዝገበሩ፡ ማለት ጋሻ ሓዊ ስለ ዘቅረቡ ከምዝተቀዝፉ ኢና ነንብብ። እግዝኣብሄር ኣቀዲሙ ንስርዓት ክህንነት ከዳሉ ከሎ ዝበሎ ጽሑፍ፡
"እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የሕርር። *እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ* ።"
ዘሌዋውያን 6 ፡ 12 - 13።

ንምስትንታን፡
- እቲ ኣብቲ መስውኢ ዘሎ ሓዊ ወርትግ ክነድድ እምበር ከይጠፍእ፡ ጋሻ ሓዊ ከይውሰኮን ካብ ኮነ ፍቃድ ኣምላኽ፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተሰውኣልናን መስዋእቲ ጎይታ የሱስ ኩሉ ግዜ ክንዝክሮን ብዘይክኡ ድማ ካልእ ንኣምላኽ ባህ ዘብሎ መስዋእቲ ከምዘየለን እናተረድኣና ብእምነት በዚ መስዋእቲ ናብ ኣምላኽ ንቅረብ። ካልእ ጋሻ ኣምላኽና ኣይቅበሎን እዩ፡ ንእኡ ብምልኣት ዘስመሮ መስዋእቲ ጎይታ የሱስ እዩ፡ እዚ ሓዊ'ዚ ወርትግ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ ድማ።

"ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመቱ ኵሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከአሎን እዩ። ....
በዚ ፍቓድ እዚ በቲ *ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና* ።"
እብራውያን 10 ፡ 1, 10፤

07/02/2022

ሎሚ ሰኑይ 07/02/2022
ዝንበብ ምዕራፍ
ኦሪት ዘለዋውያን 5 - 8
Leviticus 5 - 8

ኣብ መጽሓፍ ዘለዋውያን ብተደጋጋሚ ካብ እነንብቦ ዘሎና ሓሳባት ብዛዕባ መስዋእቲ ምቅራብ እዩ። ክሳብ ሕጂ ክንደይ መስዋእትታት ኣንቢብና፧ ቅድሚ ምንባብ ምቅጻል ሓንሳብ ደው ኢልና ንሕሰብ፡
ክንደይ መስዋእትታት ኣልዉ፧

ኣብዚ መጽሓፍ'ዚ 5 ዓይነት መስዋእትታት ተዘርዚሮም ኣለዉ።
1. መስዋእቲ ምሕራር (ዘሌ 1, ዘሌ 6፥8)
2. መስዋእቲ እኽሊ (ዘሌ 2, ዘሌ 6፥14)
3. መስዋእቲ ሰላም (ዘሌ 3, ዘሌ 7፥11-34, ብእንግሊዝ peace offering ተባሂሉ ኣሎ)
4. መስዋእቲ ሓጢኣት (ዘሌ 4, ዘሌ 5፥14)
5. መስዋእቲ በደል (ዘሌ 5፡ ዘሌ 7፥1-6)

እዚ ኩሉ ናይ መስዋእቲ ኣገልግሎታት ንምብጻሕ ድማ ዝተፈላለዩ እንስሳታት፡ ፍረ ምድሪ ዝኮኑ ኣእኻል፡ ዘይቲን ጨውን ዝኣመሰሉ ነገራትን ኣብቲ ዓይነት መስዋእቲ ዝምርኮስ ስርዓታትን ነይርዎ። ምስዚ ኩሉ ድማ እተን ክልተ ዳሕረዎት መስዋእትታት ግዱዳታት እየን ነይረን። ስለ እዚ ከምዚ ዝበለ ድኻምን ጻዕርን ዘለዎ መስዋእትታትን ኣገልግሎትን መንፈስ ቅዱስ ብጸሓፊ እብራውያን ጌሩ ከምዚ ኢሉና ኣሎ፣
"እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዜእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጾ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ አሎ።
ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ኪገብሮ ዘይከአሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ አለዉ። እዚ ምስ መባልዕን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ።" እብራውያን 9 ፡ 8 - 10

እዚ ጽሑፍ፣ "መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ አሎ"
ዝብል ሓሳብ ንምንታይ ከም ዝውኽል ኣዚና ከነቅልበሉ ይግብኣና እዩ።
[07/02, 06:24] SEMERE N: "እዚ ምስ መባልዕን መስቴታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዚበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ። ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ . . . "
እብራውያን 9 ፡ 10 - 13

እዚ ኣገልግሎት መስዋእትታትን ክህነትን ኣብ ብሉይ ኪዳን እምበር ከም ጽላሎትን መርኣያን እንተዘይኮይኑ ፍጹምነት ከምዘይነበሮን ናብ መቅደስ ምእታው ብትብዓት ከም ዘይክኣልን'ዩ *መንፈስ ቅዱስ* ዘርኢ ዘሎ። እግዝኣብሄር ብናትኻ ዝኮነ መገድን ከም ዝሓሰብኻዮን ከም ዘይቅረብ ግና ደቂ ካህን ኣሮን ምስክር እዮም። ስለዚ እቲ ሓዊ እግዝኣብሄር ነቶም ከገልግልዎ ኢሎም ብዘይናቱ መገዲ ዝመጹ ዝበልዕ ካብ ኮነ፡ ነቲ ናብኡ ክንቀርበሉ ኢልና እንሓስቦ መገዲ ድኣ ክንደይ ዘፍርህ እዩ። ነዚ ዝነበረ ክባደትን ብዝሒ ስርዓታትን ኣብ ብሉይ ኪዳን ምርዳእ ነቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተፈጸመ ናይ መስቀል ውዕለት ክንርድኦ ይገብረና እዩ። ጸሓፊ እብራውያን'ውን ነቲ ምንጽጻር ንምርዳእ "ክርስቶስ ግና ናይቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ" ብምባል ነቲ ናይ ክርስቶስ መስዋእቲ ይገልጾ። እቲ ንሕና ካብቲ ናይ ሓቂ ሊቀ ካህን ተቀቢልናዮ ዘለና መስዋእቲ፡
* ብሉጽ
* ፍጹም
* ብኢድ ዘይተገብረ
* ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ ብደም ክርስቶስ እዩ።

ወሲኹ ጻሓፊ እብራውያን ዝብለና ድማ ነስተንትኖ፡
"ማለት ክህነት ካብ ዚልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ኪኸውን እዩ።" እብ 7፡12፤

06/02/2022

ኦሪት ዘሌዋውያን፣
ኦሪት ዘሌዋውያን ዝብል መጽሓፍ ብዛዕባ ሌዋውያን ኮይኑ ንሳቶም ከኣ ሓደ ነገድ እስራኤል ንኣገልግሎት ክህንነት ብእግዝኣብሄር ዝተፈልዩ እዮም። ኦሪት ዘሌዋውያን ምስተን ሓሙሽተ ናይ ኦሪት ወይ ሕጊ መጻሕፍቲ፡ ብሙሴ ከም ዝተጻሕፈት ብቡዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምህራን ይእመን። ከም ተወሳኺ መረዳእታ፡ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ፡ እግዝኣብሄር ንሙሴ 56 ግዜ ከምዝተዛረቦን ኣብ መወዳእታ ናይ እዚኣ መጽሓፍ ከኣ፡ "እቲ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝአዘዞ ትእዛዛት እዚ እዩ" ብምባል ይዛዝም። ብተወሳኺ ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ ሙሴ ከም ዝበሎ እንዳ በሉ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ኦሪት ዘለዋውያን ክጠቅሱ ንዕዘብ።(ማቴ 8፡4 ፥ ሉቃ 2፡22-24)
እቲ ቅንዲ ቴማ ናይ እዚ መጽሓፍ እዚ፡ እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 19፡2 ዝርከብ. ..ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ ፥ ዝብል እዩ። እዚ ማለት ካብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ መምለኽቲ ጣኦት ክፍለዩን ንእግዝእብሄር ጥራሕ ከምልኹን ክብሪ ክህቡን እዩ። እዚ መጽሓፍ ብዛዕባ ስርዓት ኣምላኾ ኮይኑ ሕግን ስርዓታትን ኣነባብራ፡ ዝተፈላለዩ መስዋእትታት፡ ኣገልግሎት ክህንነት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝበዓሉ በዓላትን የጠቃልል። ካብዚ ኩሉ ዝርዝራቱ እንርድኦ እግዝኣብሄር ከመይ ዝበለ ቅዱስ ኣምላኽ ሙዃኑን ሓጥያት ከኣ ክሳዕ ክንደይ ንዝምድና ኣምላኽ ምስ ሰብ ከም ዘዕኑን ዝፈላልን እዩ።
እዚ ኩሉ ስርዓታት ጽላሎት ናይቲ ክመጽእ ዝነበሮ ሰናይ ነገር ኮይኑ፡ ናብ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዘመልክት ። ጎይታና የሱስ ከኣ መፈጸምታ ናይዚ ኩሉ እዩ።
ኣብ እብራውያን 10፡1፤ "ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመቱ ኵሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከአሎን እዩ" ይብለና። መሊሱ ከኣ
እብራውያን 10፡12-14፤ "ክርስቶስ ግና ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ" ይብል።
ነዚ ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን ተዘርዚሩ ተጻሒፉ ዘሎ መስዋእትታትን ኣገልግሎት ክህንነትን ኣጽቢቅካ ምርዳእ፡ ጎይታና የሱስ እንታይ ከም ዝገበረልናን፡ ንምንታይ ውን ከምዘድለየን፡ ናይ እግዝኣብሄር ናይ መድሓን መደቡን ክሳዕ ክንዳይ ኣደናቂ ሙዃኑን ክንርዳእ ይገብረና እዩ።
ገለ ሓቅታት ኣብ ዘለዋውያን ንረኽቦም ንዛዕባ ጎይታና የሱስ፡
# ብሌዋውያን ዝቀርብ ዝነበረ ናይ ደም መስዋእቲ፡ ጽላሎት ናይቲ ብየሱስ ዝቀረበ ናይ ደም መስዋእቲ እዩ። (እብ 9፡22፤ ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።)
# ሊቀ ካህን ዘበለ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ እቲ ህዝብን ደም ሒዙ ኣብታ ምድራዊት መቅደስ ይኣቱ። ክርስቶስ ግና ብደም ርእሱ ሓደ ግዜ ናብታ ሰማያዊት መቅደስ ኣትዩ፡ ናይ ዘልኣለም ምድሓን ኣምጺኡ።
# ኣብ ዘሌዋውያን "ጎዶሎ ዘይብሉ ተባዕታይ" ዝብል 18 ግዜ ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ ከኣ ነቲ ሓጥያት ኣልቦ ፍጹም ዝኾነ መስዋእቲ ጎይታና የሱስ የመልክት።

05/02/2022

"ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፥ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር አሎና፧"
ማርቆስ 14 ፡ 63፤

ኣገልግሎት ሊቀ ኻህናት ካብ ካልእ ፍልይ ዘበለን ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎን እዩ። እቲ ስለ ነብሱ ጥራይ ዘይኮነስ ስለ ህዝቢ'ውን ኣብ ቅድሚ እግዝኣብሄር ዝርአ ሊቀ ኻህናት ድማ ንሕጋጋትን ስርዓታትን እቲ ኣገልግሎት ክሕልዎ ብግዲ የድልዮ። እዚ ካብ ጽባሕ ጀሚርና ነንብቦ መጽሓፍ ዘለዋውያን'ውን ነዚ ግሁድ ንምግባር እዩ ተጻሒፋልና። ሊቀ ኻህናት ዘበለ ንኩሉ ሕግታት ኣፍልጦ ኣለዎን ክሕልዎ ድማ ይግደድን፡ እዚ እንተዘይኮይኑ ግና ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ኸኣ ኣይቕረብ ዝብል ናይ ኣምላኽ ሕጊ ኣሎ። (ዘሌ 21፡23)
እምበኣር እዚ እናኮነ እዚ ኣብ ዘመን ጎይታ ዝነበረ ቀያፋ ዝተባህለ ሊቀ ኻህናት ንጎይታ የሱስ እናመርመሮ ከሎ ነቲ፡
" . . . ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ።" ዘሌ 21 ፡ 10፤ ዝብል ሕጊ ጥሒሱ ንምንታዩ ክዳኑ ቀዲዱ፧ እዚ ምስ ዝገብር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቀርብ ዘይክእል ካብ ኮነኸ ነዚ ስጉምቲ ንምንታይ ብድፍረት ወሲድዎ፧ ስለ ዝሓረቀ ወይ ኣብ ባህሊ እስራኤል ልሙድ ተርእዮ እዩ ከይንብል፡ እግዝኣብሄር ብንጹር መምርሕ ካብ ሃበ፡ እቲ ትርጉሙ እዚ ናይ ምድሪ ክህንነት ኣብቂዑ፡ እቲ ብዘልኣለም መስዋእቲ ርእሱ ዘቅረበ ጎይታ እቲ ክህንነት ንክቅበሎ እዩ። ድሒሩ'ውን እቲ መጋረጃ ምቅዳዱስ ኣብኡ ዝግበር ኣገልግሎት ደው ከምዝበለ ዶ ኣይኮነን ዘርኢ። ስለዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ዕርቂ ክንረኽብ ጎይታ ሊቀ ኻህና ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተራእዩልና እዩ።

"ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ።" እብራውያን 2 ፡ 17

" . . . ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ።"
እብ4፡ 14-15፤

04/02/2022

ከም ልማደይ ባርኖሰይ ተኸዲነ፡ ኣብቲ ኩሉ ግዜ ዝሓሸ ኣታዊ (ረዲኤት) ዝረክበሉ ጥቃ መገዲ ተቐመጥኩ። ምንቅስቃስ ናይ ሰባት እንክሰምዕ እታ ድንጋጸ ትፈጥር እያ ኢለ ዝኣምነላ፡ እንሓንሳብ መጽለሊ ትኾነኒ፡ ካልእግዜ ድማ ፈውሲ ቁሪ ዝጥቀመላ ባርኖሰይ እናንቀሳቀስኹን ብርሃን ኣዕንቲ ከም ዘይብለይ ክርኣየለይ እናደለኹን፡ "ርድኡኒ፡ ዝሃበ እዝጊ ይሃቦ" ምባል ቀጸልኹ። ዘይከም ካልእ መዓልታት ብዝሒ ምንቅስቃስ ናይ ሰባት ኣዝዩ በዝሓኒ'ሞ፡ ገለ ዘይፈለጥክዎ ጉዳይ ኣሎ ኢለ ሓሰብኹ። ገለ ሓበሬታ ካብቶም ሰባት ከይረኸብኩ ብዙሓት ሓለፉኒ፡ ምንቅስቃስን ወኻዕታን ግና በዚሑ ኣሎ።ኦ ኦ ኦ ፡ክሓትት ኣሎኒ።
"እዚ እንታይ እዩ፧" ኢለ ሓተትኹ።
"የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሓልፍ ኣሎ።" በሉኒ።
ዋእ ከይረኸብክዎ ከይሓልፈኒ፡ እዛ መዓልቲ ከይተምልጠኒ፡ "የሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒ" ኢለ ጨራሕኩ።
እ እ እ ዘይተጸበኽዎ፡ እቶም ብቅድሚት ዝነበሩ ሰባት ስቅ በል እናበሉ ክገንሑኒ ጀመሩ። እቶም እኳ ንጸልማተይን ስቅያተን፡ ለውጢ ዘይብሉ ህይወተይን ዝፈልጡ ምሳይ ኮይኖም ዋላ ኣይጨርሑ ግና ክድንግጹለይ ዝግብኦምሲ ሱቅ በል ክብሉኒ፡ ኣይብልን፡ ሎሚ እያ ፈውሰይ ዝቅበለላ፡ "የሱስ ወዲ ዳዊት ምሐረኒ" ወሰኽኩ።
ዘይከምሰብ፡ ልቡ ብድንጋጸ ዝመልአ ጎይታ፡ ንምጭርሓይ ሰሚዕዎ። እቲ ኣብ ከባብየይ ዝነበረ ምግናሕ ደው ኢሉ፡ ካብቶም ገናሕተይ "ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ" ዝብል ሰማዕኹ። ድሕሪ ደጊም ሓድሽ ህይወት ክጅምር እየ፡ በቃ ናይ ባርኖስ ህይወተይ ኣብቂዑ እዩ፡ ካብ ጽላል ናተይ ባርኖስ ናይ ጎይታ ጽላል ይሕሸኒ፡ ኣመንኹ። ባርኖሰይ ደርብየ ናብ መድሕነይ መጻኹ።
እቲ ብሩኽ ጎይታ፡ ዓይነይ ከፊቱለይ፡ ብኡብኡ ርኣኹ፡ መጀመርታ ምርኣየይ ድማ ንዕኡ ኮነለይ፡ ዋው ዋው ነዚ መጀመርታ ዝርኣኽዎ ጎይታ ክሳብ መወዳእታ ንዕኡ ክስዕቦ መገደይ ምስኡ ኣቅናዕኹ። ስመይ በርጢሜዎስ እየ ዝብሃል፡ ደጊም ኣብ ትሕቲ ባርኖሰይ የለኩን፡ ናብ ናይ ምስጋና ህይወት ኣትየ ኣለኹ፡ ዝሰምዓ ዘበለ ምሳይ ነዚ ኣምላኽን መድሕንን የመስግን።

* ካብ ማር 10፡46-52 & ሉቃ 18፡35-43 ብምውህሃድ ዝተወስደ።

03/02/2022

"የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሐስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧
ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧
ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧
እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልኤ ክንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧ . . . . "
ማርቆስ 8 ፡ 17 - 18

ኣብዘን ውሕዳት ፍቅድታት ጎይታ የሱስ ክንደይ ዝከውን ሕቶ ሓቲትዎም፧ ምልስ ኢልና ንቁጸረን። ጎይታ እዚ ሕቶታት'ዚ ክሓትት ዝገበሮ ደቀመዛሙርቱ ነቲ ዝበሎም ስለ ዘይተረድእዎ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ካብ ትምህርታት ፈሪሳውያንን ሄሮዶሳውያንን ክጥንቀቁ ይእዝዞም፡ ንሳቶም ድማ ብዛዕባ ዝብላዕ እንጌራ ይሓስቡ። ጎይታ ንሓሳባቶም እዩ ዝምልሰሎምን፡ ነቲ ሓሳባቶም ክምርምርዎን ብዙሕ ሕቶታት ዝህቦም ዘሎ። ሎሚ ናብ ህይወትና ምልስ ኢልና ንመርምር፡ ጎይታ ብዝተፈላለየ ክዛረበና ከሎ፡ እንታይ ኢና ንሓስብ፧ ነቲ ኣብ ልብና ዘሎ ዲና ንሓስቦ ዋላስ እቲ ጎይታ ዝብለና ዘሎ ኢና ክንርድኦን ክንሓስቦን ንፍትን፧ ኣብቲ ዝብሃለና ዘሎ መንፈሳዊ ሓሳብ ዲና ንፍትሽ ዋላስ ሓሳባትና ብግኡዝ (ዝርአ) ነገራት ዝተታሕዘ እዩ፧
እዘን ጎይታ ንደቀመዛሙርቱ ዝሓተተን ሕቶታት ንርእስና ንሕተታ እሞ ንሓሳብና ንፈውሶ።

ኣብዘን ጥቅስታት ክንደይ ሕቶታት ኣለዋ፧

Quer que o seu local de adoração seja a primeira Local De Adoração em Luanda?
Clique aqui para solicitar o seu anúncio patrocinado.

Vídeos (mostrar todos)

E.E.C. LIVE WORSHIP SONG
ሕብረት ዝተኸፍሎ ዋጋ ብ ኣገ ሮቤል
E.E.C. WEDDING AMLEKO MEZMUR
ግሩም ኣምልኾ ብመዛምራን ቤት ክርስትያን ኢትዮ ኤርትራ ኣንጎላ

Entre em contato com o local de adoração

Website

Endereço


Luanda