MG Inspire
MG Inspire, aspire to inspire!
#ንቓሕ!
ንኽትድቅስ ኣይትደቅስ! Order online @ www.omegabookstore.com
Hair Cut to my Adorable Bruk
Kindly Subscriber;
https://youtu.be/6P6k2fl5b2A?si=cI-pCQ3WeBpSYG_5
fans
MG Inspire
ሲኒክ (Cynic)
እንግሊዛውያንን ኣመሪካውያንን ንሓደ ሕማቕ፡ ፉንፉን ህይወት ዘሕልምፍ፡ ናይ ጎደና ተናባዪ፡ ተጸባዪ፡ ነብሱ ዘይኣሊ፡ ግዲ ዘይብሉ “ሲኒካል” ኢሎም ይጽውዕዎ። እንተኾነ ግዳ ሲኒክ -ሲኒሲዝም (Cynicism) ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ፍልስፍና እዩ።
ሲኒሲዝም (Cynicism)፣ ጥንታውያን ግሪኻውያን ካብ ዘማዕበልዎ ፍልስፍናታት ሓደ እዩ። እዚ ፍልስፍና'ዚ 'ሰብ ሓጎስ ምርካብ'ዩ ዝነብር'ሞ፡ ሓጎስ ንኽረክብ እንታይ ክገብር ኣለዎ፧ ወይ ድማ ብኸመይ መንገዲ ብምልኣት ክሕጎስ ይኽእል፧' ንዝብል ሕቶ ክምልስ ይፍትን። ቀንዲ ሰረት ናይዚ ፍልስፍና'ዚ ድማ “ሰብ ሓጎስ ክረክብ ንሞራላዊ ክብርታት ብዘውሕስ ኣገባብ ምስ ዝነብር ጥራሕ'ዩ” ይብል። እዚ ማለት ድማ ወዲ ሰብ ሕጉስ ህይወት ክመርሕ ዝኽእል፡ 'ነቲ ውሽጣዊ ሞራላዊ ዕግበት ዝህብ ተግባራትን ነገራትን ብምጉሳይ'ዩ' ይብል።
ሲኒክ (Cynic)፣ ካብ σκύλος (ሲኪሎስ)፡ ዝብል ናይ ግሪኽ ቓል ዝፈለቐ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ “ኸልቢ” ምዃኑ'ዩ። ምኽንያት ናይዚ እቶም ነዚ ፍልስፍና'ዚ ዝኣምንሉን ዝስዕብዎን ዝነበሩ ሰባት ከም ተራ ሰብ ክትሓስቦ እንከለኻ ምስ ናይ ከልቢ ዝመሳሰል ሕሱር ህይወት የሕልፉ ተባሂሎም ይእመነሎም ስለ ዝነበሩ'ዮም። ንሳቶም'ውን ብዘይሕፍረት፡ “ንስለ ቅኑዕ ቅዲ ናብራ ዝናብሑ ኣኽላባት ኢና” ኢሎም ስለ ዝኣምኑ'ውን መለለዩኦምን መለለዪ እቲ ዝኣምንሉ ፍልስፍናን ኮይኑ። ካብ ሰቦም፡ ስድራ-ቤቶም፡ ሕብረተ-ሰቦም ተነጺሎም ከም ተናበይቲ ጎደና ፉንፉን ዝመስል እንተኾነ ግን ዝኣምንሉ ኣገባብ ናብራ ክነብሩ ይፍትኑ ስለ ዝነበሩ ድማ “ናይ ከልቢ ፈላስፋታት” ብዝብል ቅጽል ስም ይልለዩ ነበሩ።
ኣንቲስተነስ (Antisthenes)፣ ሓደ ካብ ቀዳሞት ተማሃሮ ሶቕራጦስ፡ ነዚ ፍልስፍና'ዚ ዘማዕበለ ግሪኻዊ ፈላስፋ'ዩ።
ዲዮጀነስ (Diogenes)፣ ባዕሉ ንነብሱ ዘጠመቐላ “ኸልቢ” ዝብል ቅጽል ሳጓ'ዩ ዝነበሮ። ዲዮጀነስ በቲ ምኑን ኣገባብ ናብርኡ ፍሉጥ'ዩ ዝነበረ። ንሱ ንሕፍረቱ ዝሽፍን ማዕጠቕን ኣብ ምንቅስቓስ እትሕግዞ ሓንቲ በትርን ጥራሕ ዝውንን፡ ከም ገዝኡ ሓሲቡ ኣብ ቁራጽ በርሚል ዝቕመጥ ሰብ'ዩ ዝነበረ።
ሓደ እዋን ኣለክሳንደር ዓቢ ኣብታ ከም ገዝኡ ዝቕመጠላ ቁራጽ በርሚል ክበጽሖ መጽአ። ዕላሉ በጺሕዎ ስለ ዝነበረ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ፡ “ንስኻ ዲኻ ዲዮጀነስ፧” ክብል ሓተቶ።
“እወ” መለሰ ዲዮጀነስ። ኣሌክሳንደር ዓቢ በቲ ኣብ ኣካላቱ ፍጹም ሸለልትነት ዝነበሮ ዲዮጀነስ ተገሪሙ ነበረ።
“ሓቂ ድዩ ኣብ ህይወትካ እትደልዮ ወላ ሓንቲ ነገር የለን ኢሎም ዘዕሉሉልካ፧” ሓተቶ። ዲዮጀነስ ህድእ ኢሉ፡ “ኣይፈልን” ሓደ ነገር 'ስባ ምደለኹ። ክብል መለሰሉ። ኣሌክሳንደር ዓቢ፡ “እንታይ'ዩ እቲ ትደልዮ፧” ኢሉ ካልእ ሕቶ ኣስዓበሉ።
“ኣብ ቅድመይ ደው ኢልካ ጸሓይ ንግሆ ትኽውለኒ ስለ ዘለኻስ፡ እልይ ክትብለለይ ምደለኹ።” ኣሌክሳንደር ዓቢ በዚ ተገረመ። “ኣይትፈርሓንን፧” ሓተተ። ዲዮጀነስ፡ “እንታይ ኢኻ፡ ሕያዋይ ወይስ ርጉም፧ 'ሕያዋይ! እንታይ ድኣ፡ መን'ዩ ንሕያዋይ ነገር ዝፈርሕ።” ብምባል መለሰሉ።
ኣሌክሳንደር ዓቢ፡ “ብዘይካ ኣሌክሳንደር፡ ካልእ መን ክትከውን ምደለኻ እንተዝብሉኻስ፧ 'ዲዮጀነስ! ምበልኩ” ኢሉ ምስ መለሰሉ ኸኣ ኣሌክሳንደር ኣድናቆቱ ገለጸ።
ሲኒሲዝም ፍልስፍና ጥራይ ዘይኮነ፡ ቅዲ ህይወት'ውን እዩ። ብዘይካ ነብስኻ እትውንኖ ዓለማዊ ነገር ወይ ንስጋ ዘዕግብ ዝኾነ ዋኒን ይኹን ርድኢት ስለ ዘየለ ደጋዊ ህይወትካ ቀሊል'ዩ። ዝኾነ ነገር ኣይትደልን ኢኻ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ዕጉብ ኢኻ። ዕጉብ ኢኻ ማለት ድማ ሕጉስ ኢኻ ማለት'ዩ።
- ሕፍንቲ ካብ ጥቕስታት ፈላስፋ ዲዮጀነስ
• “ፈጣሪ ንሰብ ክፈጥሮ እንከሎ፡ ቀሊል ህይወት ንምምራሕ ዘኽእሎ ነገር ኩሉ ኣማሊኡ ሂብዎ እዩ። ነገር ግን ወዲ ሰብ ነዚ ረሲዑ፡ መዓር ብባኒ ለኺኻ ምብላዕ መሪጹ። ስለ ዝኾነ ኸኣ ውርደትን መከራን ዕጭኡን ብጽሒቱን ኮይኑ ተረፈ።”
• “ክልተ ዓይንን ሓንቲ መልሓስን ኣሎና። ስለዚ ብዙሕ ንስማዕ፡ ውሑድ ኸኣ ንዛረብ።”
• “ህይወት ክፍእቲ ዝገብርዋ፡ ዝነብርዋ ድኣ'ምበር፡ ህይወት ባዕላ ክፍእቲ ኣይኮነትን።”
• “ካብ መንከስቲ ዕንቅርቢት ብዝኸፍአ ናይ ዝላገጽ ሰብ ስሓቕ ብዝብኣሰ ዘሕምም ንኽሳት እዩ።”
- ገለ ካብ ኣደነቕቲ ምላሽ ዲዮጀነስ
1). ብጎሓፍ ዘለዎ ቦታ ክዛወር ዝርኣዮ ናይ ኣቴና ነበሪ፡ ፈታዊኡ ምስ ገሰጾ፦ “ኣይትጋገ! ጸሓይ ብዘይትወጾ ቦታ የብላን። ክሳብ ሎሚ ግን ኣይረሰሕትን።” ብምባል መለሰ።
2). ሰባት ንለማኒ'ምበር፡ ንምንታይ ንፈላስፋ ገንዘብ ዘይህቡ፧ “ምኽንያቱ ሓንቲ መዓልቲ ለመንቲ'ምበር፡ ፈላስፋ ከም ዘይኮኑ ስለ ዝፈልጡ'ዮም።”
3). መግቢ ንምምጋብ ዝበለጸ ሰዓት ኣየናይ'ዩ፧ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፦ “ሃብታም እንተኼንካ ምስ እትደሊ፡ ድኻ እንተኼንካ ድማ ምስ ትኽእል መግቢ ምምጋብ ዝበለጸ ስዓት እዩ።”
4). ስለ ጸሎተኛ ሰብ ኣብ ዝሓተትዎ....“ጸሎተኛ ሰብ ዝደልዮ'ምበር ዝግብኦ ኣይሓትትን እዩ።”
5). ምስ ሞተ ከመይ ጌይሮም ክቐብርዎ ከም ዝደሊ ምስ ተሓተተ....“ገጸይ ንታሕቲ ኣትሒትኩም ቅበሩኒ። ምኽንያቱ ትሕት ዝበለ ነገር ቁሩብ ጸኒሑ ሓፍ ምባሉ ኣይተርፎን'ዩ።” ክብል መለሰ።
ምንጪ - ጋሓኤ
ተወሳኺ - Google note's
fans MG Inspire
MG[ኤምጂ]...
ንዅልኹም ሰዓብቲ MG Inspire ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2024 ሰናይ ምንዮተይ እገልጸልኩም። ዓመተ 2024፡ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን፡ ዓመተ ዕቤትን ብልጽግናን ይግበረልኩም። ወትሩ ንቕሑ፡ ንዕቤትን ለውጥን ስርሑ።
ምስ ፍቕሪ 🙏
MG Inspire
fans
#ንቓሕ
“ኣእምሮና ክምላእ ዘለዎ ሳርማ ኣይኰነን። ኣእምሮና ክበርህ ዘለዎ ሓዊ እዩ።” - ፕሉታርች
“ምንባብ ኣእምሮ”
©ብ ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል
“ስነ ህይወት ሓንጎል ሂቡና። ናብራና ከኣ ንሓንጎልና ናብ ኣእምሮ ቀዪሩዎ።” - ጀፍሪ ኢዩጀኒደስ
“ንዓይሲ ምንባብ ኣእምሮ (mind reading) እንታይ ይዓብሰለይ?”
“ኢሂ?”
“ምኽንያቱ ኣነ ዳኛ ኣይኰንኩን።”
“ንዳኛታት ጥራይ ድዩ ዝጠቅም?”
“ንመርመርቲ ፖሊስ ከኣ ይጠቅም ይኸውን።”
“እምበርከ ንኻልኦት?”
“ምናልባት ንሓካይም እውን ይጠቕሞም ይኸውን።”
“በቃ ነዚኦም ጥራይ እዩ ዝጠቅም ኢልካ ኢኻ እትኣምን?”
“ንቦርቴለታት (ሓለውቲ ልዳት) ከኣ፡ ኣብ ግዜ ፍጹም ቅላዕ ናበይ ወገን እታ ኵዕሶ ከም እትቕላዕ ንምፍላጥ የገድሶም
ይኸውን።”
“ንመምህራንከ?”
“እዋእ ንመምህራን ከማን፡ ሓቀኛ ኵነታት ተማሃሮኦም ንምፍላጥ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ ይዀኑ።”
“ንጋዜጠኛታትከ?”
“እወ ኣውራ ንዓኻትኩም ዘድልየኩም ክኸውን ይኽእል እዩ።”
“ስለምንታይ?”
“ንኣብነት እቲ ቓለ መጠይቕ እተግብሩዎ ዘለኹም ሰብ ጌጋ ሓበሬታ ይህበኩም ከይህሉ ምእንቲ ኣቐዲምኩም ክትፈልጡ ስለ ዝሕግዘኩም።”
“እሞ ንመን ደኣሉ ዘየድልዮ? ባዕልኻ ከም እትምስክሮ ዘለኻ ኣገዳስነት ምንባብ ኣእምሮ፡ …።”
ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ኣዒንትና ኣብ ምንባብ ኣእምሮና ዘለወን ኣገዳሲ ተራ ርኢና ነይርና። ካልኦት ኣካላዊ ወስታታትና
እውን፡ ብዛዕባ ሜላታት ምንጽብራቕ ስምዒታትና ኣንፈት ይህቡና እዮም።ሰባት ከስተንፍሱ እንከለዉ፡ ደረቶም
ንላዕልን ታሕትን ይንቀሳቐስ እንተ’ልዩ፡ ኣብ ኣእምሮኦም ገለ ምስሊ ይስእሉ ኣለዉ ማለት’ዩ። ኣተነፋፍሳኦም ህድእ ዝበለን ካብ ሳንቡኦም ወይ ካብ ከባቢ መላእ ደረቶም ዝምንጩ እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ዝሰምዑዎ ድምጺ ኣብ ኣእምሮኦም ሓደ ምስሊ ይቐርጹ ኣለዉ። ኣብ ከባቢ ከብድና ዝርአ ምልክት ዓሚቝ ምስትንፋስ፡ ልዳት ስምዒት ኣእምሮ ይዅሕኳሕ ምህላዉ ዘንጸባርቕ’ዩ። ሰለስተ ወለንታውያን ሰባት ርኸብ’ሞ፡ ንፍጥነት ኣተነፋፍሳኦምን ኣተነፋፍሳኦም ንዝምንጭወሉን ብደቂቕ ኣስተውዕለሉ። ድምጺ ድማ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክግለጽ ይከኣል እዩ። ንነገራት ብምስሊ ክገልጹ ዝብርሆም ሰባት፡ ቅልጡፍን ምጥጥ ዝበለን ኣዘራርባ ብኣፍንጫኦም ወይ ምውቕ ብዝበለ ቅላጸ ኣዘራርባ ሓሳቦም የመሓላልፉ። ትሑት፡ ህዱእ ከምኡ ድማ፡ ዕምቈት ዘለዎ ቅላጸ ኣዘራርባ መለለዪ ናይቶም ንዅነታት ብስምዒት ዝገልጹ ሰባት’ዩ።
ቆርበት ሰብነት ብምርኣይ ከማን፡ ብዛዕባ ሰባት ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ንጕዳያት ብምስሊ ትቐርጽ እንተ ዄንካ፡ ገጽካ ናይ ምጽዋግ ዝመስል ኵነታት የንጸባርቕ። ገጽ ሓምለ-ሰነ ዝመሰለ ገጽ ንነገራት ብስምዒት ናይ ምግላጽ ኵነታት የመልክት። ርእሱ ዘቕንዕ ሰብ እንተ ርኢኻ፡ እቲ ሰብ ንዅነታት ብምስሊ ይገልጽ ከም ዘሎ ፍለጥ። ሚዛናዊ ብዝዀነ ኵነት ወይ ዝቐነነ (ንምስማዕ) እንተ ዀይኑ፡
ነቲ ዝሰምዖ ምስሊ የዳልወሉ ከም ዘሎ የመልክት። ርእሱ እንተ ደፊኡ ወይ ናይ ክሳዱ ጭዋዳታት ዝልቕ ዝበለ እንተ
ዀይኑ ድማ፡ ንነገራት ስምዒታዊ ብዝዀነ ኣገባብ ይስእል ኣሎ ማለት’ዩ።
ኵነታት ሓድሕዳዊ ምርድዳእ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከብ ዋላ እንተ ዀይኑ፡ ኣእምሮ እቲ ሰብ ከመይ ከም ዝሰርሕን
ኣየኖት መልእኽትታት ከም ዝጠቕሙ ከምኡ’ውን፡ ነየኖት መልሲ ከም ዝወሃብ ዝተመጻረዩን ጌጋ ዘይርከቦም ምልክታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣእምሮ ሓደ ሰብ ንምንባብ እቲ ዝቐለለ መንገዲ፡ ግቡእ ሕቶታት ከተቕርበሉ
ምኽኣል’ዩ። ንዅሉ ነገር ጥበብ የድልዮ። ንምሽማት፡ ንምሻጥ፡ ንምንቕቓሕን ፍቕራዊ ዝምድና ንምፍጣርን - ንሰባት ንምስሓብን ናይ ፈጠራ ሰብ ንምዃንን ጥበብ ከገድሰካ ግድን’ዩ።
ካብዚ ኣስዒብና ጥበብ ዘድልዮም ሒደት ኣብነታት ክንርኢ ኢና። ነቶም ሜላታት ንምምሃር፡ ምስትውዓል ንበይኑ እኹል ኣይኰነን። ናብ ተግባር ምስጋር የድሊ። ዝከኣል እንተ ዀይኑ፡ ንሜላታትካ ኣብ ሓደ ሰብ ተለማመዶም። ናይ ሰብ ሓሳብ ንምንባብ፡ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ነቲ ሰብ ‘ተሓባባሪ’ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት ከተእትዎ ምኽኣል’ዩ። ሻቡ እቲ ሰብ ነቲ ሓቂ ካብ ምዝራብ ወጻኢ ካልእ ምርጫ ኣይህልዎን። እወ እቲ ሰብ ዋላ ብንጹር ቃላት ኣይግለጽ፡ ቃላዊ ብዘይኰነ መንገዲ ማለት ብዓይኒ ወይ ብኣካላዊ ወስታ (gesture) ወይ ብኻልእ መንገዲ ሓሳቡ ይገልጽ። እቲ ሰብ ዝርከበሉ ስምዒታዊ ኵነታት ናብ ሕልናኡ ዝወስድ ቀጥታዊ መንገዲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንልዳት ትሕተ ውኖኡ ዝኸፍት መፍትሕ ብምዃን የገልግል። ወዮ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ተሓባባሪ ካብ ምዃን እንተ ሓንጊዱ ግዳ፡ ንሓሳብ እቲ ሰብ ከተንብብ ምሕላን ምሒር እተሓላለኸ ይገብሮ። ምስቲ ሰብ ሓያል ምብህሃል ክትገብር ኣየድልየካን እዩ። እቲ ሰብ ኣብ ግቡእ ኵነታት ንኽመጽእ፡ ዝያዳ ናይ ምትህድዳእ ዕዮ ክትገብር’ዩ ዝምረጽ።
ነቲ ኣብ ዓለም ብዕብየቱ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ምቍር ሕብስቲ (cake) ዝሰርሐ ሰብ እንተ ትረኽቦ፡ እቲ ሰብ ብኸመይ ነቲ ምቍር ሕብስቲ ክሰርሖ ከም ዝኸኣለ
ክነግረካ ዓቕሚ ብምስኣኑ ንዓኻ ቅር ይብለካ ይኸውን። እቲ ምንታይሲ፡ እቲ ሰብ ነቲ ኣደናቒ ነገር ብዙሕ ከይሓሰበ’ዩ ሰሪሑዎ። ብዛዕባ ኣብቲ ምቍር ሕብስቲ ዝተኻተቱ ዓቐን ቀመማትን ካልኦት ነገራትን እንተ ሓቲትካዮ፡ “እንድዒ! ካብዚ ቀመም ቁሩብ ቈንጢረ ነይረ። ካብቲ’ውን ገለ ዓቐን ሓፊሰ ነይረ። ካብቲኣ ኸኣ፡ …።” ክብለካ ይኽእል። ምእንቲ’ዚ፡ እቲ ሰብ ንኸነግረካ ኣብ ክንዲ ምሕታቱ፡ ክሰርሕ እንከሎ ቀው ኢልካ ምዕዛቡ ተመራጺ ይኸውን። ኣብ ክሽነ ኣእቲኻ ነቲ ምቍር ሕብስቲ እንደገና ከም ዝዓይዮ ግበሮ። ንነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓሱ ብደቂቕ ተኸታተሎ። ናብቲ መልወሲ ዘእትዎም ነገራትን ዓቐኖምን ብዝግባእ ብምስትውዓል፡ ንሓፈሻዊ መስርሕ ብምክትታትል ኣብ መጻኢ ክትጥቀመሉ እትኽእል ናይ ኣሰራርሓ ብልሓት ክትመሃር ኢኻ።
ንኣእምሮ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ምንባብ ተግባር ከኣ ተማሳሳሊ እዩ። እወ ነዚ ሜላ እተኸተለ እዩ። ፈለማ ነቲ ሰብ ብስእለ ኣእምሮኡ ንድሕሪት ከም ዝምለስ ብምግባር፡ ነቲ ኣደናቒ ዕዮ ናብ ዝፈጸመሉ ግዜን ቦታን ክትወስዶ ኣለካ።
እዚ ክንብል እንከለና፡ ወዮ ሰብ ንስራሕ እተበገሰሉ ወይ ልቡ ብፍቕሪ እተመልኣሉ ወይ ፈጣሪ ስራሕ ኰይኑ እተሰምዖ፡ … ብዝዀነ ንስኻ ክትፈልጦ እትደልዮ ነገር ብውሽጡ ዘንደዶ ሓደ እተፈልየ ግዜ ብምዝኽኻር፡ብዝግባእ ኵነት ኣብቲ ስምዒት ከም ዝሽመም ክትገብሮ ይግባእ።ብድሕሪ’ዚ እቲ ሰብ ንኽዘራረበካ ፍቓደኛ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጽካ - ብዛዕባ ዝረኣዮ፡ ዝሰምዖ ወይ ዝተሰምዖ ነገር ንጹራትን ኣገደስትን ሕቶታት ብምሕታት ሓሳባቱ ንኽውድን ግበሮ።
ንኣብነት፡ “ሓደ ነገር ንኽትዓዪ ምሉእ ብምሉእ እተበገስካሉ ግዜ ትዝክሮዶ?” ኢልካ ክትሓቶ ትኽእል ኢኻ። ናይቲ ሰብ ድምጽን ወስታታት ኣካላትን ብንጹር፡ ኣተኣማማኒ ብዝዀነን ብዝእመን ኣገባብን ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ንኸመሓላልፈልካ ኢኻ ትጽቢት እትገብር። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ ዝመጽእ ነገር ክፈልጥ ከም ዘይብሉ ኣይትዘንግዕ።
ዝደለኻዮ ነገር ደረጃ ብደረጃ ክትረክብ እንተ ደሊኻ፡ እቲ ሰብ ከም ዝረጋጋእ ብምግባር፡ እቲ ዝዛረቦ ቍምነገርን ንምንቅስቓስ ኣካላቱን ኣዒንቱን ብዕቱብ ተኸታተሎ። ንእንታይነት ሓሳቡ ብግቡእ መርምሮ። ነቲ ሰብ ኣብቲ ኵነት ከም ዝኣቱ ዝገበሩዎ ምስልታት፡ ድምጽታት፡ ስምዒታት፡ … እንታይ ከም ዝዀኑ ብዝርዝር ኣጽንዓዮም። ናይቲ ምስሊ ውጽኢት ድዩ ዋላስ ቅላጸ ድምጹ? … ንስኻ ኣብ እትደልዮ ኵነት ክሳብ ዝኣትወልካ ጻዕርኻ ቀጽል። ነዚ ሜላ ኵሉ ሻብ ንናይ ሓደ ሰብ ንስራሕ ናይ ምብግጋስ ሓሳብ ንምፍላጥ ተጠቐመሉ። ንሓደ ሰብ፡ “ንስራሕ ዝያዳ ብልዑል መንፈስ እተበገስካሉ መዓስ ከም ዝነበረ ትዝክርዶ?” ኢልካ እስከ ሕተቶ።እቲ ሰብ መንኮቡ ሰቐጥ ብምባል (ላዕልን ታሕትን ብምንቅስቓስ)፡ “እወ” ኢሉ መሊሱልካ ንበል። ካብ ኵነታቱ
እንታይ ትርዳእ? ናይቲ ሰብ ተግባር ከም ዘመልክቶ፡ ኣብቲ ንስኻ እትደልዮ ኵነታት ከም ዘየለ እዩ። እናሓንሳእ ገለ ሰባት ብኣፎም እወ እናበሉ፡ ብርእሶም ብዘይምስምማዕ ንየማነ
ጸጋም ዘንቀሳቕሱ ኣለዉ።
እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ እውን ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ሰብ ምስ ልምዱ ኣይተራኸበን። እወ ናብ ስምዒቱ ኣይኣተወን። ምእንቲ’ዚ ብትኽክል ብሓሳብ ናብቲ ኵነት ከም ዝመለስካዮን ኣብቲ ስምዒት ኣእቲኻ ምስ ልምዱ ከም ዘራኸብካዮን ርግጸኛ ክትከውን ይግባእ። እዚ ንክኸውን ሕቶኻ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ። “ገለ ነገር ንምግባር ምሉእ ብምሉእ እተበገስካሉ ሓደ እተፈልየ ግዜ ትዝክርዶ?” ከምዚኦም ዓይነታት ሕቶታት መብዛሕትኡ ግዜ ዓወት የምጽኡልናእዮም።ወዮ ሰብ ብስእለ ኣእምሮኡ ኣብቲ ግዜ
ከም ዝበጽሐ ምስ ኣረጋገጽካ፡ “ሻቡ ከም እትዝክሮ፡ ናብቲ ተበግሶ ዘእተወካ እቲ ናይ ፈለማ ነገር እንታይ እዩ? ዝረኣኻዮ፡ ዝሰማዕካዮ ዋላስ ብኣጋጣሚ ዝረኸብካዮ
ነገር? ዋላስ ዝተፋለጥካዮ ሰብ?” ብምባል ሕተቶ። ብሓደ ሓያል መደረ ተመሲጡ ብእኡ ንብኡ ክሰርሕ ከም እተበገሰ እንተ ነጊሩካ፡ ናይ ተበግሶ ሓሳቡ ዝፈለሞ ካብ ግዳማዊ
ጽምጺ ከም ዝዀነ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ሓደ ነገር ከም ዝርኢ ብምግባር ወይ ከም ዝትንክፍ
ብምግባር ከተበጋግሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብቓላትን ድምጽን እዩ ብብቑዕ ኵነታት መልሲ ክህብ ዝኽእል። ሕጂ ኣቓልቦኡ ብኸመይ ክትሰልቦ ከም እትኽእል ፈሊጥካ ኣለኻ። የግዳስ ሓሳቡ ምሉእ ብምሉእ ፈሊጥካዮ ከም ዘለኻ ከስምዕ የብሉን።
ሰባት ንነገራት መልሲ ዝህቡ ብውሽጣውን ግዳማውን ሜላታት እዮም። ክንዲዝዀነ፡ ነቲ ውሽጣዊ ክፋል ሓሳብ ክትፈልጦ ይግባእ። በዚ ድማ እቲ ዝቕጽል ሕቶኻ፡ “ነቲ ጕዳይ ድሕሪ ምስማዕካ ንስራሕ ዘበጋገሰካ ነገር እንታይ ነይሩ?” ዝብል ይኸውን። “ኣብ ሕልናኻ ዝቐረጽካዮ ነገር ኣሎዶ? ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ክገብር እየ ኢልካ ነጊርካያ ነይርካዶ? ዋላስ ገለ ስምዒት ስለ ዝሓደረካ እዩ?” “ኣብ ኣእምሮይ ገለ ነገር ስኢለ ኣለኹ።” ኢሉ እንተ መሊሱ፡ እቲ ኻልኣይ ናይ ሓሳብ ክፋል ውሽጣዊ ምስሊ ምዃኑ ክትርዳእ ትኽእል። ሓደ ዝደረኾ ነገር ድሕሪ ምስምዑ፡ ዝያዳ ዘነቓቕሖ ምስሊ ኣብ ኣእምሮኡ የቐምጦ። ኣብዚ ዝሰርሖ ነገር ኣተኵሮኡ ንኽውድን ዝገብሮ ምስሊ እዩ። ክሳብ ሕጂ ንምሉእ ሓሳቡ እትርደኣሉ ደረጃ ስለ ዘይበጻሕካ፡ ንሕቶታትካ ከተመዓራሪ ትጽቢት ይግበረልካ። “ንሓደ ነገር ርኢኻ ነቲ ምስሊ ኣብ ኣእምሮኻ ድሕሪ ምቕራጽካ ምሉእ ብምሉእ ንኽትበጋገስ ዝገበረካ ነገር እንታይ እዩ? ንገዛእ ርእስኻ እንታይ ነጊርካያ? ኣብ ውሽጥኻ ገለ ነገር ተሰሚዑካዶ? ዋላስ ካልእ ነገር ተኸሲቱ?” ኢልካ ሕተቶ። ኣብዚ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ዘነቓቕሖ ነገር ከም ዝረኸበ እንተ ተሰሚዑዎ ናይ ሓሳቡ ዑደት ዛዚሙ ኣሎ።
ምእንቲ’ዚ እቲ ሰብ ናይ ምንቕቓሕ ወይ ናይ ምብግጋስ ስምዒት ንምፍጣር ብግዳማዊ ድምጺ፡ ብምውሽጣዊ ምስሊን ብውሽጣዊ ስምዒትን መስርሕ ሓሊፉ እዩ። ፈለማ ገለ ነገር ርእዩ። ኣስዒቡ ኣብ ኣእምሮኡ ገለ ምስሊ ቀሪጹ።
ካብኡ ናይ ድርኺት ስምዒት ሓዲሩዎ። መብዛሕትኦም ሰባት ሓደ ግዳማውን ክልተ ወይ ሰለስተ ውሽጣዊ ድርኺታት
ዝደልዩ ዋላ እንተዀኑ፡ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ቅድሚ ምብጽሖም፡ ብዓሰርተ ወይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዝተፈላለዩ መስርሓት መንጸባረቒ ስምዒት ዝሓልፉ ሒደት ሰባት ኣለዉ። ሕጂ ነቲ ናይቲ ሓሳብ ምልክት ስለ ዝፈለጥካዮ፡ ነቲ መንገዲ ኣፈጻጽማኡ ንምፍላጥ እትገብሮ ሕቶ ብምሕታት ትቕጽል። “ንተበግሶኻ ምኽንያት ዝዀነ ነገርከ? እቲ ዘበገሰካ ነገር ናይቲ ሰብ - ኣገባብ ኣዘራርባ፡ ዝተዛረቦም ቃላት ዋላስ ቅልጣፈ ኣዘራርባኡ ወይ ቅላጸ ድዩ? ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ስኢልካ? እቲ ምስሊ ዓርሞሽሽ፡ ደሚቕ ዋላስ … ነይሩ?” ነዞም ኵሎም ሕቶታት ድሕሪ ምሕታትካ፡
ንዕኡ ክድርኾ ይኽእል’ዩ ኢልካ እትሓስቦ ነገር ብተመሳሳሊ ቃና ድምጺ ንገሮ እሞ፡ ነቶም መልስታቱ ፈትሾም። ካብኡ
ኣብ ኣእምሮኡ ዝስእሎ ምስሊን ዝፈጥሮ ስምዒትን ንገሮ።
ነዚ ዅሉ መስርሕ ብጽፈት ድሕሪ ምክያድካ፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሉ ዘሎ ሰብ ብእኡ ንብኡ ክድረኽ እንከሎ
ከተቕልበሉ ኢኻ። ኣብቲ ዝረኣኻዮ ምልክት ጥርጣረ እንተ ወሪሩካ፡ ነቲ ቕደም ሰዓብ ብጥንቃቐ ክትቅይሮ ሃቅን። ሻቡ ነቲ ነገር ናብ ምጽላእ ገጹ ክዛዙ እንከሎ ከተቕልበሉ ኢኻ። እተጠቐምካሎም ኣገባባት እንተዀኑ እውን፡ ቅደም ሰዓባት
ኣመዛቢልካዮም ኣለኻ ማለት እዩ።
“ዝዀነ ሰብ ብረሳሕ እግሩ ኣብ ኣእምሮይ ሸናዕ ክብል ኣየፍቅድን እየ።” - ማህተማ ጋንዲ
“ክውንነት ኣብ ኣእምሮና እምበር፡ ኣብ ካልእ ቦታ ከቶ ኣይርከብን እዩ።” - ጆርጅ ኦርወል
ጋዜጠኛ - ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል
Muluebrhan Habtegebriel
fans
Follow MG Inspire
ካብ ቤት-መጻሕፍቲ ኣስመራ ክትእዝዝዋ ትኽእሉ ኢኹም።
👉 https://asmara-bookstore.square.site/
👉 +393757324632
✨ ሓድሽ ዓመት ምስ ሓደስቲ መጻሕፍቲ፡ ሓደስቲ ልምድታትን ምዕባለታትን እዩ ዘሎ ቴማና😊📈📚
#ንቓሕ
“ናይ ቅድሚ ሕጂ ልምዲታትካን ኣካይዳኻን፡ ሓሳባትካን ብግቡእ መርምር። ሎሚ ብዘለኻዮ ዘይኮነስ፡ ኸምዚ ዘለኻዮ ከይተለውጥካ እንተቐጺልካ እትዀኖ ሕሰብ።”
ሰላም ስድራቤት
ክሳብ ዝረስን😜፡ ነዛ MG Inspire ዩቱብ ቻነለይ Subscriber እናገበርኩም ጽንሑ። ብድሕሪኡ ዘነቓቕሑ፡ ዘበራትዑ፡ ጥበብ ዘስንቝ፡ ብልቦና ዝመተኡ፡ ህይወትና ዝልውጡ ሓሳባትን ዛዕባታትን ሒዘ ክመጽእ’የ።
የቐንየለይ🙏
Kindly subscribe now👇
https://youtube.com/?si=pUQcjCT0DjrxGvTZ
-
https://youtu.be/6P6k2fl5b2A?si=WZVJCg6DdTzGsblw
Merry Christmas
fans
MG Inspire
MG Inspire - YouTube MG Inspire is a channel where future successful come to get inspired, and motivated. Together we make a difference for a better future. Kindly subscribe the ...
#ንቓሕ
“እዚ ትርእዮ ዘለኺ ኣነ’የ ሚልዮነር ገይረዮ”
“ከመይ ጌርካ ደኣ ሚልዮነር ጌርክዮ ጓለይ፧” ብኣግርሞት ሓቲታታ።
“ቢልዮነር’ዩ ነይሩ”🙉
ንቓሕ! ኣብ ዝምድና ይዅን፡ ኣብ ህይወትካ እትመጾ፡ እትቐርቦ ሰብ፡ ናብ ህይወትካ እተእትዎ ናይ ህይወትካ መጓዓዝቲ፡ መጻምድቲ ኮነ ኣፍቃሪ ንዘለካ ክብሪ፡ ደረጃ፡ ዕቤት፡ ርእሰ ምትእምማን ዚውስኽ እምበር፡ ዘጕድል - ንታሕቲ ዘንቈልቍል ክኸውን የብሉን።
fans
Keep following MG Inspire
መጽሓፍ “ንኽትድቅስ ኣይትደቅስ” ቶሮንቶ ካናዳ ኣትያ’ላ። ኣብ ካናዳ ዘለኹም ክትነብዋ እትደልዩ፡ ኣብ “Habesha Meat, and Grocery” ክትረኽብዋ ትኽእሉ ኢኹም። (እዘን ኣብ ስእሊ ትርእይወን ዘለኹም መጽሓፍቲ’ውን ኣለዋኹም)
Habesha Meat and Grocery (Toronto, Ontario)
816, Jane St, York, 0N M6N 4C1
Tele 416 766 7767
fans
#ንቓሕ
"ምግንዛብ ደው ኣብ ዝብለሉ እምነት ይጅምር"
ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ናፖልዮን ቦናፓርት፣ ሓደ ግዜ ምስ ፍላስፋታት ተቐሚጡ ኣብ ዘዋግዓሉ ዝነበረ፣ "ጥዑይ ፈላስፋ ሕማቕ ዜጋ የፍሪ" ምስ በሎም፣" ሓደ ካብቶም ፈላስፋታት ተሲኡ፣ "ክቡር ንጉስ! እተዛረብካዮ ልክዕ እዩ፣ ይዅን እምበር፣ ሕማቕ ዜጋ 'ውን ጥዑይ ፈላስፋ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" በሎ።
ገለ ገለ "ፍልስፍና ኣብ ዘመንና እምብዛ ተፈታዊ ኰይኑ ዘይምርካቡ ጥራይ ዘይኰነ ተጸላኢ እዩ" ይብሉ። ሶቅራጦስ ህይወቱ ዝኸፈለላ፣ ፕላቶ 'ውን "ንፍልስፍና ካብ ዝኸስር ሞት እመርጽ" ብምባል ክልተ ግዜ ንመስዋእቲ ዝተዳለውላ፣ ጳጳሳት ንኽንደይ ሰዓብታ ዝኣሰሩላ፣ ዘሳቐዩላ ... እዛ 'ፍልስፍና' "ንምዃኑ እንታይ ኣብ እተልዕለሉ'ዩ እዚ ዅሉ ጣጣ ዘጋጥማ፧" ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ'ዩ።
ሰዓብታ፣ ናይ ፍልስፍና ዓብይን ናይ መጀመርታን ሕቶኣ "ሓቂ" ስለ ዝዀነ እዩ ይብሉ። "ሓቂ እንታይ እዩ፧" ዝብል ሕቶ፣ ፍልስፍና እትጽልኣሉ መሰረት እዩ። "ብርግጽ እንርእዮ ነገር እንርእዮ፣ እንሰምዖ ነገር እንሰምዖ፣ እንሽትቶ ነገር እንሽትቶ፣ እንድህስሶ ነገር 'ውን እቲ ዝዳህሰስናዮ ወዘተ …. ሓቂ ስለ ዝዀነ ድዩ፧ ወይ 'ውን ሓቂ እዩ ኢልና ስለ እንሓስብ፧" ብምባል ፈላስፋታት ይሓቱ።
ኣብዚ ዓለም፣ "ንገለ ገለ ሰብ እቲ እምነቱ እዩ ሓቁ" ይብለና። እንተዀነ፣ "እምነትካ ሓቂ እዩ" ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ዓለም፣ ውሽጢ ፈላስፋታት ድማ፣ "ርትዒ ከተቕርበሉ ዘይትኽእል እምነት ሓቂ ክኸውን ኣይክእልን።" ይብሉ።
ዓቢ ፈላስፋ ፍረደሪክ ኒቼ ክዛረብ እንከሎ፣ "ናይ'ቲ እትኣምኖ ህልውና ዘረጋግጽ ርትዒ ከተቕርብ ክሳዕ ዘይከኣልካ እምነትካ ሓሶት እዩ፣ ኣቦይ ናባይ ዘሰጋገሮ እምነት ኣቦሓጎይ ዝነገሮ እዩ። ንኣቦሓጎይ 'ውን ቅድሚኡ ዝነበረ ብኸምዚ መልክዕ ዘተሓሓዞ ምዃኑ እዩ። እዚ ኣነ ዝነብሮ ዘለኹ እምነት ካልኦት ኣቐዲሞም ዝነብሩዎ ዝነበሩ እምበር ኣነ ብርትዒ ኣረጋጊጸ ዝረኸብኩዎ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለዚ እምነት ናይ ሓሶት እዩ።" ይብል። ካልኦት ፈላስፋታት 'ውን ኣብዚ ይሰማምዑ።
በዚ መሰረት ናብ "ሓቂ" ዝብል ሕቶ ምስ እንምለስ፣ ኒቼ ክለዓል ዝግብኦ ናይ መጀመርታ ፈላስፋ ይኸውን። ከም እምነት ኒቼ "ሓቂ ብግቡእ ዝተላዕለትሉን ዝተሓተተላን ብሓደ ሰብን ኣብ ሓደ ቦታን ጥራይ እያ። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ብጲላጦስ እዩ።" ይብል። ኣናትሊ ፍራንስ 'ውን ኣብ'ዚ ኣበሃህላ እዚ "እሰማማዕ ጥራይ ዘይኰነ እኣምን" ይብል።
"ጲላጦስ፣ እምበኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፧ በሎ። ኢየሱስ ድማ፣ ንጉስ ምዃነይ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ንሓቂ ክምስክር እየ ዝተወለድኩ። ምእንቲ እዚ 'ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ወገን ሓቂ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ በሎ። ጲላጦስ ከኣ፣ ሓቂኸ እንታይ እዩ፧ በሎ።"
ዮሓ፡ 18፡37
እምበኣር እዛ ጲላጦስ ብሕቶ ዝጀመራ "ሓቂ" ንምምላስ ንመጀመርታ ዝፈተኑ ግን ብግቡእ ከም ዘይመለሱ ዝንቀፉ ሶፊስተኛታት [Sophists] እዮም።
"ብዛዕባ ሓቂ ንምፍላጥ ካብ ፍልጠት ምብጋስ" እዮም ዝብሉ። (ነዚ ኣበሃህላ እዚ ካልኦት ፈላስፋታት ንእዝኒ ዘሰበበ ጫውጫውታ እዩ ይብሉዎ)። "ሓቂ ካብ ስምዒት እዩ ዝመጽእ፣ ስለዚ ድማ ናይ ሓቂ ሕቶ (ብኻልእ ኣበሃህላ ንናይ ጲላጦስ ሕቶ መልሲ) ስምዒትካ እዩ" ይብሉ። ስለዚ፣ ሓቂ ማለት፣ እተስተማቕሮ፡ እትሽትቶ፡ እትድህስሶ፡ እትሰምዖን እትርእዮን ነገር እዩ።" ማለት እዩ። በዚ መልሲ እዚ ከም ዘይሰማማዕ ዝገለጸ ናይ መጀመርታ ሰብ ድማ ፕላቶ ነበረ።
"ሓቂ ማለት ሶፊስተኛታት ከም ዝብሉዎ ስምዒት እንተ ዀይኑ፣ ሓቂ የለን ማለት እዩ።" ድማ ይብል። "ስለምንታይ?" ኣብ ዝተባህለሉ፡ "ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ሰብ ንሓደ ነገር ዝሽትቶ፡ ዝድህስሶ፡ ዘስተማቕሮ ወዘተ ብዝተፈላለየ መገዲ ስለ ዝዀነ።' በሃሊ እዩ።
'ሓደ ነገር ብኽልተ ሰብ፡ ብኽልተ መገዲ ምስ ዝሰምዖ ወይ ምስ ዝርእዮ እቲ ነገር ሓደ ምዃኑ ኣብቂዑ ኣሎ። ስለ ዝዀነ እቲ ነገር ንገዛእ ርእሱ ሓቂ ኣይኰነን" እዩ ኣበሃህላኡ። "ስለ ዝዀነ፣ እቲ ንሓቂ ኣመልኪቱ ዝቐርብ ሕቶ ዝምለሰሉ ብምሕሳብ እምበር ብስምዒት ኣይኰነን" ይብል። "ሓደ ነገር ንምርኣይ ምግንዛብ የድልይ፣ ኣቐዲምካ እትሓስቦ ነገር ናብ ዓይኒ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፣ እቲ ዝረኣኻዮ ንኽትርኢ የኽእለካ። ብኻልእ ኣበሃህላ፣ እትርእዮ ነገር ሓቂ ምዃኑ እትፈልጥ ስለ እተገናዝብ እዩ። ስለዚ ሓቂ ማለት "ምግንዛብ እዩ" ድማ ይውስኽ።
ኣብዚ ናይ ፕላቶ ኣበሃህላ ዝተሰማምዐ 'ውን ኣሪስቶትል ነበረ። በዚ መሰረት ድማ "ሕጊ ግንዛበ" ዝብል ኣውጸአ። "ኣብ'ዚ ዓለም እዚ፣ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ነገር ሓቂ ዝኸውን ብምርኣይ፣ ብምድህሳስ ወዘተ ዘይኰነ፣ ስለ'ቲ ነገር ብዝህልወና ግንዛበ እዩ" ማለት ይኸውን።
ኣብዚ ከም ፊሮ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ተጠራጠርቲ ፈላስፋታት ይለዓሉ እሞ፣ "ንሓደ ነገር ኩሉ ግዜ ሓቂ ዝገብሮ፣ ስለ'ቲ ነገር ከነገናዝብ ወይ ክንሓስብ ስለ ዝኸኣልና ኣይኰነን" ይብሉ። ብፍላይ ፊሮ ንናይ ኣሪስቶትል "ሕጊ ግንዛበ" እንከነጻጽር፣ "ንሓደ ነገር ሓቂ ዝገብሮ ምግንዛብ ስለ ዝኸኣልና ካብ ኰነ፣ ሰብ ዘገናዝብ ወይ ዝሓስብ ፍጡር’ዩ፣ ሶቅራጦስ ድማ ሰብ እዩ። ስለ ዝዀነ ሶቅራጦስ ሰብ ብምዃኑ ክሓስብ ወይ ከገናዝብ ይኽእል ማለት እዩ። እዚ ግን ኩሉ ግዜ ዝሰርሕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኵሉ ሰብ የገናዝብ ወይ ይሓስብ ምባል ዕሽነት ስለ ዝዀነ" ይብለና።
ብሓጺሩ ናይ ገለ ገለ ሰብ ሓሳብ ትኽክል እዩ ምባል ክሳብ ዘይተኻእለ፣ ብዛዕባ ሓደ ነገር ምሕሳብ ጥራይ ሓቂ ንክኸውን ኣየኽእሎን ማለት እዩ።
ካልኦት ፈላስፋታት በቲ ግዜ ተላዕሉ እሞ፣ "ጽቡቕ፣ ካብ ሎሚ ንንዮ ንድሕሪት ናብ ናይ ሶፊስተኛታት እምነት ተመሊስና ንስምዒት ህዋሳትና ንእመን" በሉ። ፊሮ ከኣ "ንሱ 'ውን እንተ ዀነ ኣብ ዘብጽሓኩም የብሉን" በለ። "ንምንታይ፧" ምስ በሉዎ ድማ፣ "ንእትርእዮ ከመይ ኣቢልካ ክትኣምኖ ትኽእል፧" ብምባል ድሕሪ ምሕታት፣ "ጸሓይ ካብ መሬት ኣዝያ ብዕጽፍታት ከም እትዓቢ ንፈልጥ። እንተ ዀነ፣ ኣብ መሬት ደው ኢልና ንጸሓይ ምስ እንርእያ ኣዝያ ንእሽቶ እያ። ስለዚ፣ ኩሉ እቲ እንርእዮ ሓቂ ኣይኰነን ማለት እዩ።" ብምባል ነቲ ናይ ሶፊስተኛታት "ሓቂ እንታይ እዩ፧" ንዝብል ሕቶ ዝህቡዎ መልሲ ማይ ኣፍሰሰሉ።
ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ዝለዓለ ቦታ ካብ ዝወሃቦም ፈላስፋታት ሓደ ፊሮ ምዃኑ ብዙሓት ይሰማምዑሉ። ኣብ ፍልስፍናኡ ኣዝዩ ተጠራጣሪ ብምንባሩ፣ ድሕሪ ሞቱ ሰዓብቱ ከም ዘይበኸይሉ ይንገር። ስለ ዘይፈትዉዎ ዘይኰነ ግን፣ ሞይቱ ኢሎም ስለ ዘይኣመኑ’ዩ።
"ሓቂ እንታይ እዩ፧" ዝብል ሕቶን መልስታቱን ብኸምዚ ኣብ መንጎ ብህዋሳት ስምዒትን ብሓሳብን ንዘመናት ከርተት ድሕሪ ምባል፣ ግሪኻዊ ስነ ፍልጠትን ሮሚዊ ስልጣነን ቦታኦም ንኤውሮጳዊ እምነት ክርስትናን ንቤተ ክርስትያንን ኣረከበ። ሓቂ ድማ እምነት ኰይኑ ነገሰ። ይኹን እምበር፣ "ሓቂ እምነት እዩ" ተባሂሉ ኣብ ዘስፋሕፋሓሉ ዘመን 'ውን እንተ ዀነ "ነቲ እምነት ርትዒ ከቕርብ ዝኸኣለ ኣይነበረን" ይብሉ ፈላስፋታት።
እምነት ናይ ሶቅራጦስ ግን "ሰብ ምግንዛብ ምስ ዘቋርጽ ምእማን ይጅምር" እዩ። "ምኽንያቱ ምግንዛቡ ንኽሰምዕ፡ ክድህስስ፡ ክሽትት …ወዘተ ይገብሮ፣ ንኽኣምን ግን ዝዀነ ነገር ኣየድልዮን" ይብል። ኣብ ምጥቕላል እምበኣር፣ 'ዘይተገናዝብ ህይወት ንምንባር ኣይትበቅዕን እያ" ኢሉዋ’ሎ።
ሰዓብቲን ኣድነቕትን ሶቅራጦስ ውን "ምግንዛብ ከይከኣልካ ከም ካሊባን ኣብ ዙፋን ካብ ምቕማጥ፣ ኣብ ቤተ ማእሰርቲ ከም ሶቅራጦስ እናኣገናዘብካ ምንባር ይሓይሽ" ይብሉ።
ካብ መጽሓፍ "ጥበብ ፪ ከጲላጦስ" ብ ኃይለጊዮርጊስ ማሞ
ገጽ 1-5 እተተርጐመ
ትርጉም፡ Berhane Ghebrehiwet
fans
Keep following MG Inspire
#ንቓሕ
ቀየርቲ ልቦናታት ህይወት!
✅. ቃላት ሓይላት እዮም። ብጥንቃቐ ተጠቐመሎም። ልዙብ ቃላት ድማ ተጠቐም!
✅. ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ህይወትካ ይመጹ’ሞ፡ ኣድለይትን ጠቐምትን ስለ ዘይኰኑ ድማ ኣብ ህይወትካ ኣይትዮም ይወጹን ይኸዱን። እቶም ቅኑዓት ንዓኻ ዝበቕዑ ሰባት ግና፡ምሳኻ እዮም ዝነብሩን ዝዘልቑን። ኣብ ዝኾነ ይዅን ኵነት’ውን ኣብ ልዕሌኻ ዘለዎም ፍቕሪ ኣይቅይሩን እዮም።
✅. ዝክኣለካ ከም ዘይገበርካ ወላ'ኳ እንተተ ሰመዓካ፡ ዝክኣለካ ገይርካ ኢኻ። ቀጽል ጥራይ.... !
✅. ውድቀት ማለት፡ ዝኾነ ነገር ምስ ዘይትፍትን እዩ። ዝኾነ ነገር ምስ እትፍትን ግን፡ ውድቀት ዕቤት እዩ። ውድቀት ምኽንያት ዓወት ምዃኑ ኣይትረስዕ።
✅. ዘይተሓስበ ወይ ሃንደበት ሕያውነት ስራሕ፡ ንዅሉ ጽቡቕ ከም ዚስምዖ እዩ ዝገብር። ምእንት’ዚ ስራሕን ተግባር ሕያውነትን ይሃልኻ!
✅. ንጽባሕ ዘይኰነስ፡ ሎሚ ንበር። ጽባሕ ሎሚ ምዃና ዘክር። ገና ኣብ ዘይነበርካዮ ዓለም ኣይትንበር።
✅. ከም ሰይቲ ሎጥ፡ ንሕሉፍካ ንድሕሪት ኣይትጠምት። ኣብ ድሕሪት ወይ ሕሉፍካ ንዓኻ ከም ጨው ዓንዲ ዘድርቕ እምበር፡ ንዓኻ ዚጠቅም ኮነ ዚኸውን ዝኾነ ነገር የለን። ስለዚ፡ ንቕድሚት ገስግስ....!
✅. ልዕሊ ዓቐን ምሕሳብ፡ ምንጪ ጭንቀት፡ ቀታሊ ሓጐስ እዩ። ምእትን’ዚ፡ ልዕሊ ዓቐን ኣይትሕሰብ። እንተ ኺኢልካ፡ ልዕሊ ሓሳባትካ ኵን!
ምስ ፍቕሪ!
fans
Follow MG Inspire
&
Share, Like as well
MG[ኤምጂ]...
#ንቓሕ
ገዛእ ርእስኻ ስራሕ
https://youtu.be/PK7As3Pa60Y?si=C3OaAJkfz_87FVXq
ኣንባቢት - Semhar Teklemariam
fans
ገዛእ ርእስኻ ብምስራሕ ጀምር| #MGInspire #motivation @mginspire@semuhope
#ኣንብብ
ንኹሉ ኣብ ገግዚኡ ጽቡቕ ገበሮ
ኣብ ህይወት እቲ ዝኸፍአ ነገር ነቲ ልክዕ ግዜ ዘይምፍላጥ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓኒ። ነገራት ኣብ ዘይግዚኦም ምስ ዝትግበሩ ወይ ዝሕሰቡ ኣብ ክውንነት ዘምጽእዎ ዕንወት ኣዝዪ ዓቢ እዩ። ካብ ግዜ ህጻንነትና ኣትሒዙ "ግዜኻ ተጠቐመሉ" ዝብል ማዕዳ ኣይተጋደፈናን። እንተኾነ ብልክዕ ከረድኣና ዝኽእል ሰብ ብዘይ ምርካብና ነታ ምዕዶ ንጥቐመላ ወይ ዘይተገድሰና ኮይኑ ይስመዓና። እንተ ንርድኣ ግን ብዙሕ ምኸሰብናላ ነይርና።
ግዜኻ ተጠቐመሉ ንዝብል ምዕዶ፡ ኩሉ ሰብ ብብዙሕ መመኽነይታታት ዝተዓጀበ ዘህርፍ መልሲ ኣለዎ። ኩሉ ሰብ ግዚኡ ብግቡእ ዝጥቐመሉ ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝመስሎ። ገሊኡ ከኣ ንሎሚ ከም ዘይተጠቕመላ ኣሚኑ'ኳ እንተ ተረኽበ 'ንጽባሕ' ብዝብል ሕማቕ ተስፋ ተመሊኹ ይጸንሕ። ኣብ ህይወት ግን ካብ ክውንነት ዝበልጽ ሓቒ ካብ ዘይምህላዉ፡ ኩሉ ነገር ድሕሪ ግዜ ሓቐኛ ባህሪኡ ይወጽእ። ሓቒ ከኣ ዝግብኦ ዕግበት ትህቦ።
ቕድሚ ክንደይ ከም ዝገበረ ክዝክሮ ኣብ ዘይክእል ግዜ ሓንቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣንቢበ ነይረ። እታ ጽሕፍቲ ንብዙሕ እዋናት ካብ ኣእምሮይ ዘይተኣልየትን ኣብ ዝዘከርክዋ እዋን ተግባራተይ ንክፍትሽ እትደፋፍኣንን እያ።
"ንሓደ ወዲ 11 ፈዛዝ ህጻን ምስ ሓደ በሊሕ መዘናኡ ንሓደ ዓመት ኣዕሩኽ ገይርካ ምስ ትፈላልዮም እትረኽቦ ውጽኢት የሎን። እቲ ፈዛዝ ከምቲ በሊሕ ኣይከውንን እዩ። እዚ ማለት ግን እቲ ፈዛዝ በሊሕ ክኸውን ኣክእልን ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ! ቅጫኻ መዓስ ትበስል እንተ ደኣ ፈሊጥካ፡ መዓስ ምርምር ተካይድ ውን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ከኣ እታ ሓደ ዓመት ምስ በሊሕ ቖልዓ ምቕማጥ ጠቒማቶን ኣይጠቐመቶን ንምፍላጥ ድሕሪ 4 ዓመት መርመራ ገበሩ እሞ፡ እቲ ፈዛዝ ወዲ 15 ዓመት ክኸውን ከሎ ካብቶም ከም ናቱ ዕድል ዘይረኸቡ ፈዛዛት ህጻናት ንላዕሊ በሊሕ ኮይኑ ጸንሖም።"
እዚ ጽሑፍ ኣብ መጀመርታ ንህጻናት ወይ ንጽልዋ መዘና ጥራይ ዝምልከት እዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ድሕሪ ግዜ ግን ተረዲኡኒ። ጥበብ ህይወት ኣብዛ ዓንቐጽ ብሓጺር ኣገባብ ተገሊጻ ውን ረኺበያ። ዝበዝሕ ሰብ ስለምንታይ ንነገራት ኣብቲ "ዘድልይዎ" ግዜ ክረኽቦም ዘይከኣለ ከኣ መልሲ ኮይና ጸኒሓ።
ገለ ሰባት ልቃሕ ይደልዪ እሞ ከለቕሖም ዝኽእል ሰብ ይስእኑ። ስለምንታይ? ቕድሚ ሕጂ ተለቂሕካ ዘይትመልስ እንተ ነይርካ ሕጂ ንህይወትካ ዝበለጸ ስራሕ እትፈጥር ክፍተት ረኺብካ ግን ዘለቕሓካ ምስ ትስእን ኢድካ እዩ። "እሞ ሕጂ ክመልሶ እየ!" ኢልካ ምምሓል ከኣ ከእምን ዘይክእል ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ። ክትፈጥሮ ዝደለኻ ስራሕ ናይ 10,000 ወርሓዊ ኣታዊታ ዘለዎ ምስ ዝኸውን ግን ዝምስጠካ ዕላል ደቒ ሹቕ ምስ ዘለዎም ጥራይ ግዜኻ ምስ ተሕልፎ፡፡ ነቲ ስራሕ ዘጀምረካ 20,000 ገንዘብ ከለቕሓካ ዝኽእል ሰብ ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ።
ንካናዳ ፕሮሰስ ኣለካ፡ ንስድራኻ ገዛ ክትገዝኣሎም ከኣ ትምነ ክነስኻ ግዜኻ፡ ቛንቛን ሞያን ኣብ ምጥራይ ከተሕልፎ ምስ ዝስልክየካ፡ ድሓር ምስ ኣተኻ "ካናዳ ተበሊዑ እዩ" ክትብል ግዴታ እዩ። ግን'ከ ንኻልኦት ብኸመይ ጥዒምዎም ኣሎ? ግዜኻ ኣብ እዋን ትጽቢት ፕሮሰስ ኣብ ነብስኻ ምምዕባል ስለ ዘየጥፋእካዮ'ዶ ይኸውን ዋላስ 'ኣብኡ ምስ ከድኩ ክመሃሮ እየ' ዝብል ዘይጠቕም ናይ ቀትሪ ሕልምኻ እዩ ተሓታቲ?
ህይወት ኣዚያ ንጽርቲ ትኾነሉ ግዜ ንነብስኻ ከምቲ ንእትጸልኦ ሰብ ገይርካ እትፈርዶ ኣቢልካ ምስ ትርእያ እዩ። ኩሉ ነገር ኣዝዪ ንጹር ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እንታይ ክትገብር የብልካንን ክትትግብር ኣሎካን የፍልጠካ እዩ። ንእኡ ደኣ ሞያ ኣለዎ ምስ በልካ ነብስኻ ክትሓተካ እያ። ስለምንታይ ንስኻ'ኸ ከምኡ ሞያ ንክህልወካ ዘይትጽዕር? ዋላስ ብሕጂ ውን ወዲ ሃብታም ስለ ዝኾነ እዩ እንበር.... እናበልካ ኢኻ ግዜኻ ብምምራር ከተብንኖ!
ሕጂ ገንዘብ የድልየኒ ኣሎ ክብል ትሰምዖ ወዲ 40 ዓመትን ጥዑይ ወዲ ደኣ ኣይረኸብኩን እንበር ምተመርዓኹ ክትብል ትሰምዓ ጓል 30 ዓመት ግዚኦም ኣበይ ኣሕሊፎሞ ይኾኑ? እስከ ንሕሰብ! ፕረሲደንት ከም ትኸውን እናፈለጥካ ንዘፍቐርካያ ጥራይ'ዶ ምተመርዓ ዋላስ ገለ ረቛሒታት ምሃለወካ? መዓስ ዕላማ ትሃርምን ብኸመይ መንገድን ንዝፈልጥ ህይወት ቀላል እያ። "ናብ ትኸዶ ምስ ዘይትፈልጥ ግን ዝኾነ መገዲ'ዩ ዘብጽሓካ" ዝበሃል ሓቒ እዩ። ክሳብ ወዲ 40 ዓመት ጥራይ ክትሰርሕ ትደሊ እንተደኣ ተመኒኻ ሕጂ ጩርማን ሜክኣፕን እንታይ'ዩ ክዓብሰልካ? ዋላስ እቲ ዕላማ'ዩ ዘይብልካን ዘይብልክን!
መዓልታዊ መጽሓፍ ምንባብ ወይ ናብ ምውስዋስ ኣካላት ምኻድ ሓደ ዓይነት ጥቕሚ እዩ ዘለዎም። ከም ምስ ሓመመ ምውስዋስ ኣካላት ዝገብርን ዶመወዝ ምስ ወሓዶ ዝመሃርን ንላዕሊ ጥቕምታቶም ክገልጽ ዝኽእል ሰብ የሎን። ናይ ብልበይ እየ። ኣብ ህይወት ዕዉት ዝገብሩኻ ነገራት ግን እዞም ክልተ እዮም። ምኽንያቱ ንህይወት ከተስተማቕራ'ዩ ዘሎካ፡ ብዘይ ጥዕና ግን ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ኩሉ ግዜ ኣስተማቓሪ (ዘየማርርን ተሓጒሱ ዘይንየትን) ንክትከውን ከተንብብ ኣሎካ። ንከተስተማቕር ከኣ ጥዕና ክህልወካ ኣለዎ፡ ስለዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ምውስዋስ ሰውነት ክትገብር ኣሎካ። ጥቕሙ ምስ ዘድልየካ ምስ ዝኸውን ግን ኣብ ዘይግዚኡ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ። ንዝርድኦ!
ኩሉ ግዜ ህጹጽ ጉዳያት ኣለዉና። ሓዳር ንኽትገብር ገንዘብ "የድልየካ" እዩ። ነቲ ምስ ዝውህለል "እኹል" ዝነበረ ገንዘብ ኣብ ዘዝመጸሉ፡ ኣብ "ዝደለኻዮ" ምስ ተጥፍኦ ግን እታ ናይ ውልቕኻ ሰዓት ተባላሽያ ኣላ። ሓደ መዓልቲ ግን ማዕጾ ክውንነት ኳሕኲሑ "ሕጂ፡ ገንዘብ ስለ ዘለዎም ጥራይ እዃ'ዮም" እናበልካ ከተማርር ተፈቒዱኻ ኣሎ፡ ክብለካ እዩ። ህይወት አኢድካ ከም ትህበካ ከኣ ንኣኦም ጽቡቕ ገይራ ክትርድኦም እያ። ምኽንያቱ ከም ናትካ ክዘናግዑ ኩሉ ግዜ ሃረር ዝብሉ እዮም ነይሮም።
ሎሚ፡ ኣብዛ ዓባይ መዓልቲ ሓቒ ነጺራትልና ትኸውን እያ። ክንደይ ዓመታት ናይ ህይወቱ ከሲሩ ዘይተረድኦ ሰብ የሎን። ምኽንያቱ እቲ ዝምነዮ ዝነበረ ሎሚ "ናይ ነዊሕ ግዜ ወይ ብብዝሒ ምድግጋም ዝመጽእ" ምንባሩ ዝተረድኡና ነገራት ኣለዉና። ስለዚ፡ ሎሚ ብፍጹም ክድገሙ የብሎምን እሞ፡ ሎሚ ውጽኢት ካብ ኮነት፡ ጽባሕ ኣብዛ ሎሚ እያ ክትፍጠር እሞ፡ ሎሚ ንደልዮ ገዲፍና ንጽባሕ ዘድልየና ንጽዓር። ውጽኢት ከኣ ከም ህርፋንና ዘይኮነ ከምቲ ዝጸዓርናሉን ግዚኡን ምዃኑ እቲ ኣቦ ኩሉ ክውንነት ክምህረና እዩ።
#ንቓሕ
መዘኻኸሪ!
“ፍቕሪ ኵሉ መዓልቲ ስሓቕ፡ ፍሽኽታ፡ ምዝንጋዕ ዚመልኦ ፌስታ ኣይኰነን።”
ኣብ ኵሉ ፍቕራዊ ዝምድና ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብሓደ ምጽናሕካ፡ ክስልክየካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብኻልእ ኣይትተርጕሞ ወይ ኣይትረድኣዮ። ፍቕሪ ቀጻሊ ዚልሓስ መዓር ኣይኰነን። ክሕደስ ግን ይክኣል እዩ። ጥበብ፡ ልቦና ግዳ ይደሊ። ሓደ ሓደ ግዜ ፍቕሪ - ፍቕሪ ክትጻወት፡ ብዘይምቍራጽ ግድን ፍቕሪ ክስመዓካ ኣለዎ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ግዜ ብትዕግስቲ፡ ብኣካላዊ፡ ብስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊ ሓልዮት ክትፋቐርን፡ መብጽዓ ኪዳን ምሕላውን'ውን እዩ። ንቓሕ! ፍቕሪ ኵሉ መዓልቲ ስሓቕ፡ ፍሽኽታ፡ ምዝንጋዕ ዚመልኦ ፌስታ ኣይኰነን። ሚዛናዊ ኵን። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ክኸብደካ፡ ክስልክየካ ይኽእል እዩ። ፍቕርኻ ኣብቂዑ ወይ ጠፊኡ ማለት ግን ኣይኰነን። እንተዀነ ፍቕሪ ስሓቕን ምዝንጋዕን ምዃን ምስ ዘቋርጽ፡ ገለ ገለ ኣብ ክንዲ ንሓድሕደኦም ዝተባብዑ፡ ፍቕሮም ዝዝንግዑ ሰባት ፍቕሮም ናይ ምቍራጽን፡ ገመድ ዝምድናኦም ናይ ምብታኽን ኣመል ኣለዎም። እንተዀነ ግዳ፡ ንግዜኡ መስዋእቲ ብምኽፋል፡ መብጽዓ ኪዳኖም ክርስዑ ኣይግባእን። እዚ ግዚያዊ ጸገም ክኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብናይ ምብህሃልን ምርድዳእን መንፈስ ክፍወስን ክፍታሕን ይኽእል እዩ። ፍቕሪ ማለት'ኮ ተወፋይነትን፡ ብኽፉት ልቢ ምብህሃልን እዩ።
fans
Follow MG Inspire
&
Share it..
MG[ኤምጂ]…
#ንቓሕ
ቃልካ ኣኽብርን ተግብርን!
Muluebrhan Habtegebriel
ቃልካ ምኽባር
“መብጸዓ ደበና ክኸውን እንከሎ፡ ትግባረ ዝናብ እዩ።” - ኣለክሳንደር ፑሽኪን
ቃል ክትኣቱ እንከለኻ፡ ነቲ ቃል ዝኣተኻዮ ከተተግብር ልዑል ድሌትን ተወፋይነትን ከተርኢ ከም ዘለካ ከቶ ክትዝንግዕ የብልካን። ንስለ ቃል ምእታው ጥራይ ቃል ክትኣቱ ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅድሚ ቃል ምእታውካ፡ ነቲ ጕዳይ ክትፍጽሞ ትኽእል ምዃንካ ጽቡቕ ገይርካ ክትሓስበሉ ይግባእ።
ንሰባት ቃል ክትኣትወሎም እንከለኻ፡ ብዕቱብ ይጽበዩኻ። ክንዲ ዝዀነ፡ ነቲ ቃል ዝኣተኻዮ ሸለል ክትብሎ ኣይግባእን። ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ብዝዀነ ምኽንያት ክሰምረልካ ምስ ዘይክእል፡ ነቲ ቃል ዝኣተኻሉ ሰብ ብግልጺ ክትነግሮ ኣለካ።
ሓቂ እዩ መብጽዓኻ ንኸይተተግብር ልዕሊ ዓቕምኻ ዝዀኑ ሓያሎ ምኽንያታት ክህልዉኻ ይኽእሉ እዮም። ብኻልእ መዳይ እውን፡ እቲ ቃል ዝኣተኻሉ ሰብ ቃልካ ንኸይትፍጽም ከገድደካ ይኽእል። ንኣብነት፡ ንሓደ ተማሃራይ ደሞዝ ምስ ወሰድካ ገለ ገንዘብ ክትሕግዞ ተመባጺዕካሉ ንበል። ቅድሚ ደሞዝ ምውሳድካ፡ እቲ ተማሃራይ ተሓቢኡ ሽጋራ ከትክኽ ርኢኻዮ። እንታይ ምገበርካ? እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ነቲ መንእሰይ ምስ ሽጋርኡ ሒዝካ፡ ክትገንሖ እዩ ዘለካ። ንርዱእ ምኽንያት ከኣ፡ ነቲ ዝተመባጻዕካሉ ገንዘብ ከም ዘይትህቦ ትድሕድሓሉ። ድፋጫካ ሰቲኻ ዝረኸብካዮ ገንዘብ፡ መባዕለጊ መንእሰያት ክኸውን ከቶ ከተፍቅድ ኣይግባእን።
ንገዛእ ርእስኻ መብጽዓ ትኣትወላዶ? ንገዛእ ርእስኻ መብጽዓ ዝኣተኻላ፡ ከየተግበርካዮ ዝሓለፍካዮ ኣጋጣሚ ኣሎዶ? ገለ ሰባት፡ “ድሕሪ ሕጂ ሽኮራዊ መግቢ ይኹን ኣልኮላዊ መስተ ክንኪ እየ።” ኢሎም ቃል ይኣትዉ። የግዳስ፡ ከተግብርዎ ኣይረኣዩን።
ኣብዚ ሓደ ሓቂ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንገዛእ ርእስኻ ቃል ዝኣተኻላ ክትጠልማ እንከለኻ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ኣሉታዊ ስምዒት ይፈጥር። ብእኡ ኣቢሉ ርእሰ ተኣማንነትካ የንቈልቍል።
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓደ ዓርክኻ ክትቅበሎ ቃል ኣቲኻሉ ክንስኻ፡ ከይተቐበልካዮ ምስ እትተርፍ እንታይ ይስመዓካ? ኣብ ሓደ ናይ ምዝንጋዕ ኣጋጣሚ፡ ንዓርከ መሓዙትካ ምስኦም ከም እተምሲ ቃል ኣቲኻሎም ክንስኻ፡ ከይተጸንበርካዮም ምስ እትተርፍ እንታይ ይስመዓካ?
እቶም ቃል ኣቲኻ ዝጠለምካዮም ሰባት፡ ካልእ መዓልቲ ቃል ክትኣትወሎም እንከለኻ ክሳብ ክንደይ ክኣምኑኻ ዝኽእሉ ይመስለካ? ብዙሕ እምነት ከም ዘየሕድሩልካ ፍሉጥ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ቃል ኣቲኻ ክትጠልማ እንከለኻ እውን፡ ተመሳሳሊ ሳዕቤን እዩ ዘስዕበልካ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ንገዛእ ርእስኻ ቃል ዝኣተኻላ ክትጠልማ እንከለኻ፡ እምንቶኻ ኣብቲ ሕጂ ክትሰርሖ እትኽእልን ኣብ መጻኢ ክትሰርሖ እትኽእልን ይንኪ።
መብዛሕትኡ ሰብ ካብ ንኻልእ ሰብ ዝኣተዎ ቃል ዝጠልሞ ንላዕሊ፡ ንገዛእ ርእሱ ዝኣተዎ ቃል ዝጠልሞ ይበዝሕ። እዚ እንታይ እዩ ዘመልክት? ኣብ ውሳነና ትሑት ርእሰ ተኣማንነት ከም ዘለና እዩ። ብእኡ ኣቢሉ ርእሰ ክብርና ይንኪ። ምናልባት ንገዛእ ርእስና፡ “ሎሚ ነዚ ክሰርሖ እየ ኢለ ነይረ። የግዳስ ንመን እየ ዘተዓሻሽዎ ዘለኹ?” ክንብላ ንጅምር።
ኣብ ከምዚ ዓይነት መጻወድያ ምእታው፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ እናተጠራጠርካ ንኽትነብር ይገብረካ። ገለ ቃል ዝኣተኻዮ ክትፍጽም እንከለኻ ከይተረፈ፡ ኣጸቢቕካ ክትግረም ትጅምር።
ሰንሰለታዊ ፍሽለት ከጋጥመካ እንከሎ፡ ርእሰ ተኣማንነትካ ብርኡይ እዩ ዝንኪ። ነቲ ኣብ ገዛኻን ኣብ ቤት ጽሕፈትካን እትወስዶ ውሳነ እውን ብኣሉታ ይጸልዎ። ንሰኻ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይትኣምን እንተ ዄንካ፡ ካልእ ሰብ ኣባኻ እምነት ከንብር ይኽእል ድዩ?
ኣብ ገዛእ ርእስኻ ምእማን ከተቋርጽ እንከለኻ፡ ለውጢ ንኽትገብር ጽቡቕ ድራኸ እዩ። ምናልባት ክትወጾ ናብ ዘጸግም ዓሚቝ ዓዘቕቲ ዝኣተኻ ኰይኑ ክስመዓካ እውን ይኽእል። ዝበዝሐ መብጽዓታት ክትጠልም እንከለኻ፡ ምሒር ዝፈዀስካ ወይ ባዶ ዝዀንካ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን።
ነቲ ዘጥፋእካዮ ርእሰ ተኣማንነት ዳግማይ ናብ ቦታኡ ንኽትመልሶ፡ ነቶም ብሕጂ ቃል እትኣትዎም ብተውፋይነት ኣብ መፈጸምታኦም ከተብጽሖም ምስ ገዛእ ርእስኻ ምርድዳእ የድልየካ። እዚ ብቐሊሉ ዝከኣል ዘይክኸውን ይኽእል። ብተደጋጋምን ብተወፋነትን እንተ ሰሪሕካሉ ግዳ፡ ርእሰ ተኣማንነትካ ዳግማይ ክምለሰልካ ይኽእል እዩ።
ኵሉ ግዜ ኣብ ቃልካ ክትጸንዕ ወይ ንዝኣተኻዮ ቃል ከተተግብር ከቢድ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ህይወት ኵሉ ግዜ በቲ ንስኻ ዝደለኻዮ ጥራይ ስለ ዘይትምራሕ፡ ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ብዝዀነ ምኽንያት ቃልካ ከተዕብር እትግደደሉ ግዜ ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ገለ ሰባት ከየመዛዘኑ ቃል ይኣትዉ እሞ፡ ቃል ብምእታዎም ቀልጢፎም ክጠዓሱ ግዜ ኣይወስደሎምን። እዚ ተመሊሱ ኣብ ትዕዝብቲ የውድቘም።
እቶም ቃሎም ዘኽብሩ ሰባት ኣብ ሕብረተሰቦም ዝለዓለ ክብሪ ይወሃቦም። እቲ ምንታይሲ፡ ንሳቶም ክሳብ ክንደይ ግዱሳት ምዃኖም እዮም ዘመስክሩ ዘለዉ።
ከም ሰብ ጽቡቕ ነገር ጥራይ ክትገብር ምስ ገዛእ ርእስኻ ቃል ክትኣቱ ትኽእል። ሓደ ሓሳድ ሰብ ምስ ተጻብኣካ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕነ ክትፈዲ ክትብል፡ ነቲ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ቃል ዝኣተኻዮ ረሲዕካ፡ ክፍኣት ክትኣልም ትጅምር። ሻቡ ቃልካ ብምዕባርካ፡ ምስ ገዛእ ርእስኻ ክትራጸም ትጅምር።
ኣብ ቃልካ ምእንቲ ክትጸንዕ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት በብደረጃኦም ከተተግብሮም እስከ ፈትን። ብድሕሪኡ ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብ ካልኦትን ክብሪ ክትረክብ ኢኻ፦
1. ዉሑድ ተመባጻዕ።
2. ብዝተኻእለ መጠን መብጽዓኻ ንምትግባር ቀልጢፍካ ጀምሮ ።
3. ኣብቲ ትጽቢት ዝግበረልካ ንጻረ ይሃልኻ ።
4. ተበሃሃል (Communicate)።
“ካብቲ ክትፍጽሞ እትኽእል ንላዕሊ መብጽዓ ኣይትእቶ። የግዳስ፡ ኵሉ ግዜ ካብቲ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ንላዕሊ ኣተግብር።” - ሎዩ ሆልዝ
ምሉእብርሃን ሃብተገብሪኤል
fans
MG Inspire
#ንቓሕ
“ሃንቃ ጥራይ፡ እወ! ዓሚቝ ሃንቃ ጥራይ እዩ ንነፍሲ ናብ ዓበይቲ ነገራት ልዕል ከብላ ዚኽእል።” - ደኒስ ዲደሮት
With Girmalem Hagos
fans
Keep following MG Inspire
&
#ንቓሕ
ሰብኣውነት ከም ኣውሎ ንፋስ እዩ ዝገርፍ! ኸሊል ጂብራን
ድምጺ - Ureh Mehari
ትርጕም፡ ፍጹም (ዓዴ)
#ንቓሕ
“ናይ ቅድሚ ሕጂ ልምዲታትካን ኣካይዳኻን፡ ሓሳባትካን ብግቡእ መርምር። ሎሚ ብዘለኻዮ ዘይኮነስ፡ ኸምዚ ዘለኻዮ ከይተለውጥካ እንተቐጺልካ እትዀኖ ሕሰብ።”
🎉 Facebook recognised me as a top rising creator this week!
#ንቓሕ
ትዕግስተኛ ኵን!
ድምጺ - Ureh Mehari
#ንቓሕ
“ኵሉ ግዜ ጽቡቕ እዩ ዚስምዓኒ! ስለምንታይ ትፈልጥዶ፧ ምኽንያቱ፡ ካብ ዝኾነ፡ ዝኾነ ነገር ኣይጽበን እየ። ምጽባይ ኵሉ ግዜ ጐዳኢ እዩ። ህይወት ሓጻር እያ። ስለዚ፡ ንህይወትካ ኣፍቅራ። ሕጕስ ኵን፡ ፍሽኽ በል። ንህይወት ንበራ። ቅድሚ ምዝራብካ ስማዕ፣ ቅድሚ ምጽሓፍካ ሕሰብ፣ ቅድሚ ምብኻንካ፡ ሓዝ-ቈጥብ፣ ቅድሚ ምጽላይካ፡ ይቅረ በል፣ ቅድሚ ንሰባት ምጕዳእካ፡ እቲ መጕዳእቲ ይሰማዓኻ፣ ቅድሚ ምጽላእኻ ኣፍቅር፣ ቅድሚ ተስፋ ምቍራጽካ ፈትን። ቅድሚ ሙማትካ ንበር...... ” ዝበለ ሸኪስፔር እዩ። ንስኻ ከምዚ ክትብልን፡ ነዚ ኣብ ህይወትካ ከተውዕሎስ መን ይኽልክለካ። ንቓሕ! ኣብ ህይወት ተልዓሽነት ኣይተርኢ። ንህይወት ብዝግባእ ንበራ ደኣ እምበር፡ ተልዓሽ ኣይትበላ። ናይ ጽምዋ ግዜ ይሃልኻ። ምስ ተፈጥሮ ግዜ ኣሕልፍ። ድምጺ ኣዕዋፍ፡ ሸውሸውታ ድምጺ ኣግራብ ኣዳምጽ። ቅድሚ ምምራርካ፡ ኣመስግን፡፡ ዝተገብረልካን ዘለካን ብዝግባእ እንተ ተገንዚብካ፡ ዝጐድለካ ውሑድ እዩ። ሓይሊ ምስጋና፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ብሓይሊ ምስጋና ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ከም ዚስምዓካ ምግባር ትኽእል ኢኻ። እናኣመስገንካ ከተማርር ኮነ ሕማቕ ክስመዓካ ኣይክእልን እዩ። ሕማቕ እንተ ተሰማካ'ውን፡ ዝተገብረልካ ብምዝካር ካብቲ ሕማቕ ስምዒት ቀልጢፍካ ክትወጽእ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ዘጽንሕ የብልካን። ናይቲ ዓቢ ኣምላኽ ፍጡርን ውሉድን ብምዃንካ ጥራይ፡ ኵሉ ግዜ ደስ ይበልካ። ካብ ሰብ ምምሳል፡ ሰብ ኴንካ ሰብ ምዃን፣ ካብ ዕምባባታት፡ ቅዱስ ዕምባባ ሹሻን ምረጽ።
Follow MG Inspire
&
Share it as well...
MG[ኤምጂ]...
Click here to claim your Sponsored Listing.
Videos (show all)
Category
Contact the public figure
Website
Address
Medan